ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ድሌት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, ESHI
ሩስያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ፡ ናይ ምሽምጋል ተራ ክትጻወት ድልውቲ ምዃና ሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ገሊጹ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ፍቓደኛታት እንተኾይነን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ኣሊሞቭ፡ ኣብ መንጐ እተን ሃገሩ " እሙናት መሓዙት ሃገራት" ኢላ እትገልፀን ክልቲአን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ንሩስያ ዘተሓሳስብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
"ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን፡ ንክልቲኤን ተቐባልነት ዘለዎ ፍታሕ ንክረኽባ ፡ ወከልቲ እተን ሃገራት ዝራኸብሉ መድረኽ ንምምችቻው ድልዋት ኢና"።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዕድል ክጥቀማሉ ድማ ተላብዩ።
ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን 28ን 29ን ጥቅምቲ 2026 ኣብ ሞስኮ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስ፡ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝካይድ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ካብ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ተገሊጹ ኣሎ።
ናብ ሩስያ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ'ውን፡ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ስዒቡ፡ መሓዛ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነት ሩስያ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ግጭት ዘጋድዱ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ክቑጠባ፡ ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓን ጸዊዓ ምንባራ ይዝከር።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እናሓርፈፈ ዝመፅአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተልዓለ ዳግማይ ኲናት ብዝተኣሰሳር ናብ ጫፍ ዝበፅሐ ይመስል።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ኤርትራ ነቲ ናይ 'ምትዅታኽ ተግባራታ' ናብ ዝልዓለ ደረጃ ከምዘደየበቶ ብምጥቃስ "መካናይዝድ ኣሃዱታት ዝርከብዎም ወተሃደራታ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣእትያ ኣላ፤ እዚ ንሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዝሽፍን ኰይኑ ካብ 30 ክሳብ 60 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ናብ ውሽጢ ሰራዊታ ኣእትያ ኣላ" ኢሉ።
ምኒስተር ጊደዮን ጢሞትዮስ ኣብ ደብዳበኡ፡ "ኤርትራ ወራሪት እያ፣ ኤርትራ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ተግባር ምጥቃዕ ፈጺማ፣ ኢትዮጵያ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ያ" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፡ ብዕለት 9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወግዓዊ "ኣዋጅ ኵናት" ከም ዝኣወጀ ገሊጹ።
ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ እዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ኵነት ከቢድ ዕንወት ክስዕብን ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርግን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።
ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንጥሕሰት ልዑላውነት ሓንቲ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሃገር ብምስምስ "ርእሰ-ምክልኻል" ከተመኻንዮ ምፍታና፡ መሰረት ዘይብሉን ንኣእምሮ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ዝንዕቅን ተግባር ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብቲ ናይ ኤርትራ ደብዳበ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ ኢትዮጵያ "ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ብሓይሊ እትጥቀመሉ ዘላ ኣጀንዳ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ብግልጺ ዝጥሕስ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ እዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍሕፋሕ "ከቢድ ስግኣት" ከም ዘለዎም ገሊጹ'ሎ።
ጉተረዝ፡ ኵሎም ወገናት ብህጹጽ ደው ንኸብሉን ናብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ተመሊሶም ብዘተ ፍታሕ ከናድዩን ተማሕጺኑ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
