እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ዘጋጥም ግርደት ጸሓይ ንሚልዮናት ኣስደሚሙ
ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ግርደት ጸሓይ ኣስተማቒረን።
ኣብ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ጥራይ የጋጥም ተባሂሉ ዝተገልጸ እዚ ተፈጥሮኣዊ ክስተት፡ ብሚልዮናት ዝቘጸሩ ሰባት ከም ዝተዓዘብዎ ይእመን።
ነዚ ተርእዮ ካብ ብሪጣንያ ኰይኖም ዝተዓዘቡ ሰባት፡ ጸሓይ ብወርሒ ተሸፊና ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ክትከውን ከላ ርእዮም እዮም።
እዚ ድማ ድሕሪ ሰዓት 19:00 (ብኣቈጻጽራ ብሪጣንያ) ኣብ ዝነበረ እዋን ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ሃገር ጸሓይ ክሳብ 90 ሚእታዊት ተሸፊና ነይራ።
ገሊአን ከባቢታት ግሪንላንድ፡ ኣይስላንድን ስጳኛን ግን ምሉእ ብምሉእ ጸልሚተን፡ ነቲ ዘደንቕ "ምሉእ ግርደት ጸሓይ" ክዕዘባ ዕድል ረኺበን እየን።
ካብ ኣርክቲክ ክሳብ ኤውሮጳ
እቲ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ሳይበሪያ (ሩስያ) እዩ ጀሚሩ። ቀጺሉ ብውቅያኖስ ኣርክቲክ ኣቢሉ ናብ ኣይስላንድ ምስ በጽሐ፡ ናብ ደቡባዊ ኣንፈት ብምቕጻል ኣብ ብሪጣንያ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ኰይኑ ተራእዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ስኮትላንድ ሰዓት 18:00፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ድማ ቅድሚ ሰዓት 18:20 ክጅምር ከሎ፡ መጀመርታ ብዙሕ ኣይተስተውዓለን።
ይዅን'ምበር፡ ጽሩይ ሰማይ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት፡ ወርሒ ንጸሓይ ቀስ ብቐስ ክትሽፍና ክትርአ ከላ ሰባት ብምግራም ተዓዚቦሞ።
ኣብ ኵሉ ኵርናዓት እታ ሃገር ዝነበሩ ተዓዘብቲ፡ ነቲ ኣድማስ ክሳብ ክንደይ መስተንክር ምዃና ዘዘኻኽር ትርኢት ብታሕጓስን ብኣድናቖትን ተቐቢሎሞ።
ንምዕዛብ ዝተገብረ ፈተነ
ነቲ ግርደት ጸሓይ ብውሕስነት ንምርኣይ ዘገልግሉ መነጽራት ንምርካብ ዓቢ ጸገም ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ መሸጣ ዝቐረቡ መነጽራት ቀልጢፎም ስለ ዝተሸጡ፡ ህዝቢ ነቲ ክስተት ብውሕስነት ንምርኣይ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ክጥቀም ተገዲዱ።
ሰባት መዝፈፊ ወይ መዝቈቚ፡ መሸማዓት ከምኡ'ውን ወረቐት ብምጥቃም፡ ጸሓይ ከይጐድኣቶም ነቲ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ንምዕዛብ ፈቲኖም እዮም።
ድንቂ ተፈጥሮኣዊ ኣጋጣሚ
ግርደት ጸሓይ ዘጋጥም፡ ወርሒ ብመንጎ ጸሓይን መሬትን ምስ እትሓልፍ፡ ንብርሃን ጸሓይ ክፋል ብኽፋል ወይ ምሉእ ብምሉእ ክትክልክሎ ከላ እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝተራእየ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ካብ 1999 ንደሓር ዝተራእየ ዝዓበየ ክስተት ኰይኑ፡ ኣብ ገሊኡ ደቡባዊ ክፋላት እታ ሃገር ጸሓይ ክሳብ 95 ሚእታዊት ተሸፊና ነይራ።
ጸሓይ ካብ መሬት 150 ሚልዮን ኪሎሜተር ርሕቀት ትርከብ፤ እዚ ድማ ካብቲ ወርሒ ዘላትሉ ርሕቀት ብ400 ዕጽፊ ይበልጽ።
ብኣንጻሩ ሰንጣቒት ወርሒ ካብቲ ናይ ጸሓይ ብ400 ዕጽፊ ዝነኣሰ እዩ። እዚ ፍጹም ተፈጥሮኣዊ ሚዛን ድማ እዩ ወርሕን ጸሓይን ካብ መሬት ክርኣያ ከለዋ ማዕረ ግዝፊ ዘለወን ኰይነን ክስምዓና ዝገብር።
መጻኢ ግርደት ጸሓይ
ኣብ መንጎ 2026ን 2028ን ዓመታት፡ "ወርቃዊ መድረኽ" ምሉእ ግርደት ጸሓይ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብዘን ዝመጽኣ ዓመታት ሰለስተ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ዓለም ከጋጥሙ እዮም።
ኣብ ብሪጣንያ ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ግርደት ጸሓይ ንምርኣይ ዓሰርተታት ዓመታት ክጽበዩ ከድልዮም እዩ።
ኣብ 2081 ጸሓይ ክሳብ 99 ሚእታዊት እትሽፈነሉ ግርደት ከጋጥም ከሎ፡ እቲ ዝቕጽል ምሉእ ግርደት ጸሓይ ግን ኣብ 2090 ጥራይ እዩ ክርአ።