ንደቂኣንስትዮ መርዑት ዘሻቕል ዘሎ ጉዳይ ገዝሚ

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ደቂ ተባዕትዮ እናተመሓየሸ ምስ ከደ፡ ጠለብ ገዝሚ እናወሰኸ ከምዝመጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ኣብ ደቡብ ኤስያ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ኰይኑ፡ ወለዲ መርዓት ጥረ ገንዘብ፡ ክዳውንትን ስልማትን ንስድራቤት መርዓዊ ብመልክዕ ህያብ የቕርቡ።
እዚ ተግባር ካብ 1961 ጀሚሩ፡ ኣብ ህንዲ ዘይሕጋዊ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ግን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይዝረብ። ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ክሳብ ንዘቤታዊ ዓመጽ የቃልዐን ኣሎ።
ጀፍሪ ዊቨር ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያን፡ ጋውራቭ ቺፕሉንካር ካብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያን፡ ኣብ ገዝሚ ዝተራእየ ለውጢታት ከጽንዑ ብምሕሳብ ኣብ ህንዲ ኣብ መንጐ 1930ን 1999ን ንዝተፈጸመ ልዕሊ 74 ሽሕ ሓዳር መርሚሮም።
እቶም ተመራመርቲ፡ ካብቲ ኣብ ህንዲ ዝተወስደ መረዳእታ ቁጠባውን ስነ-ህዝባውን መጽናዕቲ ገጠር እዮም ተመርኲሶም። ኣብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለወን 17 ግዝኣታት ህንዲ ንዝርከቡ ስድራቤታት ድማ ዳህሲሶም።
ኣብ ህንዲ መብዛሕትኡ ሓዳር ብወለዲ ዝፍፀም ኰይኑ፡ ዳርጋ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት ዕድመአን እየን ዝምርዓዋ። ክሳብ 1999 ካብ ዝተጽንዑ ሓዳር እቶም ኣስታት 90 ሚእታዊት ገዝሚ ዝተፈጸመሎም እዮም።
ኣብ መንጐ 1950ን 1999ን ዝነበረ ክፍሊት ገዝሚ ዳርጋ ርብዒ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ።
ኣብ ህንዲ ዝተረኣየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብፍላይ ካብ 1940ታት ክሳብ 1980ታት ባህሊ ገዝሚ ብዝያዳ ክቕጽልን ክውስኽን ከምዝገበሮ፡ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ሓደ ካብ ተመራመርቲ ዝዀነ ዊቨር ይዛረብ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ይመሃሩን ዝሓሸ ስራሕ ይረኽቡን ስለዝነበሩ ገዝሚ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ" ይብል።
ሓዳር ኣብ ህንዲ
- ዳርጋ ኵሎም ኣብ ህንዲ ዝግበሩ ሓዳር ኣሚናዊ [ሓደ ምስ ሓንቲ] ዝፍፀሙ እዮም
- ትሕቲ 1 ሚእታዊት ድማ ብፍትሕ ይውድኡ
- ወለዲ ኣብ ምምራጽ መርዓዊ/መርዓት ዓቢይ ተራ ኣለዎም፤ ኣብ መንጐ 1960ን 2005ን ካብ ዝተፈጸሙ ሓዳር ኣብቶም ልዕሊ 90 ሚእታዊት መጻምድቲ ብወለዲ ተመሪጾም
- ልዕሊ 90 ሚእታዊት መጻምድቲ ድሕሪ ሓዳር ምስ ስድራቤት ሰብኣይ ይነብራ
- ልዕሊ 85 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓደን ወጻኢ ካብ ዝመጸ ሰብ ይምርዓዋ
- 78.3 ሚእታዊት ሓዳር ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ይፍፀም
እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ገዝሚ ዝረአ ዘሎ ወሰኽን ቀጻልነትን ምስቲ ደቂተባዕትዮ መርዑት ኣብ ትምህርቶምን ኣታዊኦምን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዝዛመድ ከምዝዀነ ምርዳእ ይከኣል። (ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኣብ ስራሕ ዘለወን ተሳትፎ ዝተሓተ ምዃን ማለተድ ንደቂ ተባዕትዮ ዝያዳን ዝሓሸን ዕድል ስራሕ ምህላው ማለት እዩ)
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 'ዝለዓለ ጽሬት ዘለዎም መርዓውቲ' - ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑን ዝሓሸ ጽሬት ዘለዎ ስራሕ ዘለዎምን - ዝለዓለ ገዝሚ ይጠልቡ።
"ሓያል ቍጠባዊ ረቛሒታት ገዝሚ እናዓበየ ክቕጽል ምኽንያት ይዀኑ ኣለዉ። ብወገን መርዓት ክረአይ ከሎ፡ ንኣዋልድ ደቆም መውስቦ ምኽፋል ዘይከኣሉ ስድራቤታት፡ ዕጫ ደቆም 'ትሑት ጽሬት ዘለዎም' መርዓውቲ ምምርዓው ይኸውን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ህንዲ ፍሉይ ክኸውን ይኽእል’ዶ?
ሲዋን ኣንደርሰን ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝጸሓፈቶ ካልእ ጽሑፍ፡ ዘይከም ህንዲ፡ ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ሃብቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ክፍሊት መውስቦ ግን ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ይምጕት።
ምህርቲ ስነቍጠባ ዝዀነት ሲዋን ኣንደርሰን፡ ኣብ ከም ህንዲ ዝኣመሰሉ ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሱ ማሕበረሰባት ወሰኽ ሃብቲ ከረአ ከሎ ክፍሊት ገዝሚ እውን ከም ዝውስኽ ትዛረብ።
ገለ ክኢላታት፡ ኣብ ታሕተዋይ ዓሌት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ላዕለዋይ ዓሌት ንዝመጹ ደቂ ተባዕትዮ ክምርዓዋ ዘሎ ድሌት ኣብ መውስቦ ለውጢ ከም ዘስዓበ ይኣምኑ።
ካልእ ተመራማሪ ዊቨር ግን፡ “ኣዝዩ ውሑድ ስግረ-ዓሌታዊ ሓዳር" ስለዘሎ እዚ ኣረኣእያ "ጌጋ" እዩ ይብል።
ደቂ ኣንስትዮ እናተማህራ ኣብ ዝኸዳሉ ደኣ ክፍሊት ገዝሚ እንታይ እዩ ክኸውን?
ኣብ ዝሓለፉ ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመታት፡ ኣብ ምምሃር ደቂ ኣንስትዮ ርኡይ ለውጢ ዝተረኣየ ኰይኑ እዚ ድማ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ህንዲ ክነጻጸር እንከlኦ ይበልጽ ኣሎ። እዚ ነቲ ኣብ ገዝሚ ዝጸንሐ ልምዲ ክንኪ ክገብሮ ይኽእል'ዩ።
ግን ድማ ነዚ ዝድግፍ መረዳእታ ከምዘየለ ሚስተር ዊቨር ይዛረብ።
እቲ መጽናዕቲ ግን ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ እናተማህራ ምስ ከዳ "ዓቐን ክፍሊት ገዝሚ ከምዝንኪ" መርትዖ ረኺቡ’ሎ።
ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምድንፋዕን ኣብ ስራሕ ዘለወን ተሳትፎ ምዕባይን፡ ነቲ ምስ ገዝሚ ብዝተሓሓዝ ዝፀዓነን ሸኽሚ ኣብ ምቅላል ከምዝሕግዝ ንጹር እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
