ኤርትራ 'ዘዛቲ ጉዳይ የሎን' ኣብ ዝበለትሉ፡ ሩስያ ንኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንምሽምጋል ጻውዒት ኣቕሪባ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝጅምር ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ዝሳተፉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ድሌት እንተ ኣርእዮም"፡ ኣብ መንጎኦም ዘተ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ሩስያ ኣፍሊጣ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ነዚ ዝበለ፡ ቅድሚ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ትማሊ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2026 ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጥቅምቲ ዲፕሎማስያዊ ርክቦም ብምሉእ ካብ ዘቋርጹ ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ መድረኽ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ናብ ሞስኮ ከም ዝኣተወ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ፡ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልተኣውን ካልኦት ናይ ሓባር ጉዳያትን ዘተ ከካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ሎሚ ረቡዕ ወጋሕታ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ሞስኮ ከም ዝኣተወ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

"ንሰላም፡ ድሕነትን ልምዓትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ ዝካየድ ዋዕላ ኣቐዲሙ ምስ ጋዜጠኛታት ጻንሒት ዝገበረ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ብዛዕባ ድሌት ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

እቲ ፈረንሳይኛ ዝቐረበ ሕቶ፡ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንእትገብሮ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ሩስያ እንታይ ዓይነት ምላሽ ትህብ? ሩስያ ንዞባዊ ምርግጋእ ብኸመይ ኣስተዋጽኦ ትገብር?" ዝብል ኰይኑ፡ ብተወሳኺ'ውን ብዛዕባ ንዩክለሳዊ ምትሕብባር ሩስያን ኢትዮጵያን ዝምልከት ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ።

ነዚ ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ላቭሮቭ፡ "ንኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት፡ ከም ዝተረዳእኩዎ ንዛረበሉ ዘለና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እዩ። ክልተአን ሃገራት ነዚ ሕጂ ኣቋሪጸንኦ ዘለዋ ርክብ ከሐድሳ ድሌት ኣለና፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንምዕጻው ከም ዝወሰነት ዘፍለጠት፡ ውግእ ትግራይ ዳግማይ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ብ1 ጥቅምቲ 2026 እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጽኡ ትእዛዝ ከም ዝተዋህበ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምፍላጡ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ ኤርትራ "ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን" መንገዲ ንዝፈጸመቶ "ናይ ዕንደራን ትንኮላን" ተግባራትን፡ ከምኡ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ብምስጋር ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብምእታዉ ምዃኑ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ገሊጻ እያ።

ተመሳሳሊ ስጕምቲ ዝወሰደት ኤርትራ'ውን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘቋረጸት ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ብዝብል "ንወደባትን ገማግም ባሕርን ኤርትራ ንምውራር ... ብወግዒ ኣዋጅ ኲናት" ክነዝሕ ጸኒሑ ክብል ከሲሱ።

ሩስያ ነዚ ናይ ሽምግልና ጻውዒት ተቕርብ እኳ እንተላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብ21 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢትዮጵያ "ክልተኦም ወገናት ብቕንዕና ዝኣምንሉ ዘዛቲ ጉዳይ የሎን፡" ብምባል፡ ንዝዀነ ናይ ሽምግልና ዕድል ዝዓጹ ጽኑዕ መርገጺ ኣንጸባሪቑ እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ "ፍጹምን ዘይግሃስን" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ብዛዕባ ልዑላውነታ ዘተ ከም ዘይትገብር ኣነጺሩ ኣሎ።

ንኽሲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት'ውን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ ውሽጢ ልዑላዊ መሬቱ ጥራይ ከም ዘሎን ኣብ ኢትዮጵያ ይብጽሓኒ እትብሎ ዋንነት ከም ዘይብላን ኣረጋጊጹ።

እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን "ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና" ምዃኑ ብምኽሳስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ንኽልተአን ሃገራት ማዕረ ብማዕረ ዝኸሰሉ ኣገባብ ጌጋ ምዃኑ ነቒፉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ላቭሮቭ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘየሎ ብምዝኽኻር፡ "እዚ ኵነታት፡ ልክዕ ከምቲ ቀደም ሓንቲ ሃገር ዝነበራ፡ ንነዊሕ እዋን ብጐረባብቲ ሓቢረን ንዝነበራ ክልተ ሃገራት ጽቡቕ ኣይኰነን፡" ክብል ተዛሪቡ።

ከም መግለጺ እቲ ምኒስትር፡ ሩስያ "ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እውን" ርክብ ክልተአን ሃገራት ንምምሕያሽ ጻዕሪ ገይራ ነይራ እያ። ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብታ "ገለልተኛ ግዝኣት" ዝዀነት ሞስኮ፡ "ንዅሉ ስግኣታቶም ብምዝታይ፡ ናይ ክልተኦም ወገናት ሓባራዊ ድሌት ሚዛኑ ንምሕላው ብዘኽእል መልክዕ፡" ክዘራረቡ ተገይሩ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

"ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ሓደ እዋን ተኻይዱ ነይሩ እዩ፤ ግናኸ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ እዩ ነይሩ፡" ዝበለ ላቭሮቭ፡ "ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ክልተአን ሃገራት ከምዚ ዓይነት ድሌት እንተ ኣርእዮም፡ ብርግጽ ርክብ ንኽገብሩ ኵሉ ዕድላት ከነመቻችእ ኢና፡" ኢሉ። ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን በዚ ሕጂ ዘለዎ ዝተበተኸ ኵነታት ከም ዘይቅጽል ተስፋ ከም ዝገብር'ውን ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዝለዓል "ዝዀነ ይዅን ጸገም ኣብ ሰናይ ድሌት ተመርኲሱ" ብዝበጽሕን "ድሌታት ብዝማእከለ ስምምዕ መሰረት ክፍታሕ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ሞስኮ ኣብ ጐድኒ እቲ ዋዕላ ንኽልተአን ሃገራት ዘተ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና፡ ምክትል ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንሓደ ጋዜጣ እታ ሃገር ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።