እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህይወታ መዓስ ከምዘብቅዕ ንምፍላጥ ፈተና ዝወሰደት ሰበይቲ
ህይወትኩም ዘብቅዕ ዘሎ ምዃኑ ንምፍላጥ ፈተና ምወሰድኩም ዶ? ኣነ ግን ከምኡ ገይረ ኣለኹ፡ ተቐዪረ ድማ።
ላውራ ሳይድስ ኣብ 40ታት ዕድሚኣ፡ ንኣቦኣ ዘጥቀዐ ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት - ሕማም ምርሳዕ [ዓይነት ኣልዛይመርስ] ኣብ ውሽጣ ከምዘሎ መርመራ ምስተገብረላ ዘጋጠማ ቅልውላው እዩ።
ላውራ፡ ምስ ኣዳላዊት 'ፖድካስት ህይወት' ቢቢሲ ሬድዮ 4 ዶክተር ስያን ዊልያምስ፡ ብዛዕባ እቲ ፈተናን ናታ ውሳነን ንዝተረፈ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝፀለዎ ብዝርዝር ተዛሪባ ኣላ።
ላውራ ኣብ እዋን ቁልዕነታ፡ ምስ ኣቦኣ "ተመሳሳሊ ባህሪ" ስለ ዝነበሮም፡ ኩሉ ግዜ ምስ ኣቦኣ ቅርበት ከም ዝስምዓ ትዛረብ።
ንሳ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ዶክተራ ወላዲኣ "ኣዝዩ ዝገርም ፍቱው ኣቦ እዩ ነይሩ" ትብል።
ምልክታት ሕማም ኣልዛይመርስ ምስ ከበዶ ላውራ ክትከናኸኖ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክተቋርፅ ተገዲዳ።
"ብሓቂ ደስ ዝብል ግዜ ኣሕሊፍና" ትብል።
ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓቢሮም ዝኸድዎ መገሻታትን ገለ ነገራት ምእካብን ትዝክር።
"ሓቢርና ሙዚቃ ንፃወት ነይርኣመ፤ ኣብ ርእሱ ውዑይ ጀርካን ማይ የፍስሰሉ ነይረ፤ ንሱ ድማ ይፈትዎ ነይሩ።"
ኣብ ሆስፒታል ቆፀራ ዝነበራ ላውራ፡ ሓደ ሓኪም ምስ ኣቦኣ ተመሳሳሊ ዓይነት ብኣግኡ ዝጅምር 'ለንደን ቫርያንት' ብዝብል ዝፍለጥ ሕማም ረሲዕ ናይ ምምዕባል ዕድላ ሓምሳ ሓምሳ ከም ዝዀነ ነጊርዋ።
"እቲ ክሓስቦ ዝኽእል ዝነበርኩ፡ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ እዬ" ትብል።
"ምስ ኩነታት ኣቦይ ኣዝየ ተጸሚደ ነይረ። ናይ ብሓቂ ኣብ ውሽጠይ ኣትዩኒ።"
ኣቦ ላውራ ኣብ 2009 እዩ ሞይቱ፤ ኣዲኣ ድማ ቅድሚኡ ሓደ ዓመት ቀዲማ ሞይታ።
"ሃንደበት ከምዚ ዝኣመሰለ ልዕሊ ዓቕመይ ዝኾነ ነገር ኣጋጢሙኒ" ትብል - ላውራ።
ንበይና ናይ መላእ ዓለም ጉዕዞ ብምሓዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ ምንባር ጀሚራ።
ኣብኡ እዩ ድማ፡ ሕማም ኣቦኣ ክትወርስ ትኽእል እያ ዝብል ሓሳባት ብልጭ ክብላ ዝጀመረ።
ኣብ 2013 ድማ ናብ በዓል ሞያ ክትከይድ ጀሚራ።
ንሱ ድማ ፡ ሕማም ረሲዕ ክትወርስ ምዃናን ዘይምዃናን፡ እቲ መርመራ 99.999 ሚኢታዊት ርግጸኛነት ከርኢ ከምዝኽእል ነጊርዋ።
እቲ ጂን [ውርሻ] እንተለዋ፡ ትጽቢት ዝግበረላ ዕድመ ምንቁልቋል ካብ 46 ክሳብ 48 ምኾነ ይብል።
"በቃ ገና እየ ኣብኡ ኣይበፃሕኹን ኢለ። ከምኡ ክገብር ኣይደልን ኢለ"።
'ተበሳጭየ ነይረ'
ላውራ ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ምስ ኣተወት ብዛዕባ እቲ ፈተና ዝያዳ ክትሓስብ ስለዝጀመረት፤ ውፅኢት ክትፈልጥ ከም እትደሊ ወሰነት።
መጀመርታ ግን ንሽዱሽተ ወርሒ ማዕዳ ዓሌታዊ ውርሻ [ጀነቲካዊ] ክትወስድ ነይርዋ።
"ኣብ ጉዕዞ ህይወት፡ ዕጫኻ እትፈልጠሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት የለን፡ ንምሕሳቡ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።
ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ምጽባይ ውጽኢት መርመራ ክሳብ ዝመጽእ እታ መዓልቲ ትፅበ ነይራ።
ከምዘይብፃሕ የለን፡ እታ ቁርፂ መዓልቲ ኣኺላ።
ላውራ፡ ኣዝያ ስንቢዳ። ድሕሪኡ ምስ ሓንቲ ዓርካ ንምሳሕ ክትበልዕ ሓሲባ ነይራ ግን፡ በይና ናብቲ ቆጸራ ኣትያ።
"ትኽ ኢልና ናብኡ ንእተ፤ ቁርፂ ንገሩኒ ኢለ። 'ብሓቂ ይቕሬታ ግን፡ ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን፡ እቲ ጂን [ውርሻ] ኣለኪ፤ ወሪስክዮ ኢኻ' ኢሎምኒ።"
"ኰፍ ኢላ እንተላ፡ ድብዝዝ ዝበለ ድምጺ ናብ እዝና ክሓልፍ" ትዝክር።
"ካብታ ክፍሊ ወጺአ፡ ዓርከይ ድማ ገፃ ብንብዓት ተሓፂቡ"።
ላውራ ግን ግብረ ምላሽ ኣይሃበትን።
"ናብ ምሳሕና ከይድና፤ ፁቡቕ እዋን ነይሩ፤ ደንፅዩኒ እዩ ነይሩ።"
እቲ ክውንነት ድሒሩ እናተሰወጠኒ መፂኣ።
"ተበሳጭየ። ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሕጂ ከመይ ክነብር ጥራይ ኣዝየ ተደናጊረ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስዚ ሓቂ ትነብር?"
ላውራ፡ ኣብ ገዛኣ ዘሎ ኩነታት ክትሓስብ ጀሚራ - ሓፍታ ነፍሰጾር እያ ነይራ።
"ትርጉም የብሉን... ንሳ ካልእ ህይወት ክተመፅእ ከላ፡ ኣነ ድማ ኣብ ካልእ ሸነኽ ዓለም ክነብር።"
ይኹን እምበር፡ ቅድሚን ድሕሪን ምርመራኣ ኣብ ሕክምናዊ ፈተነታት ብምስታፋ፡ ሳይንቲስት ብኣግኡ ዝጅምር ሕማም ረሲዕ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክኽእሉ ሓጊዛ።
"ካብ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ኩነታት ወጺእካ፡ ኣብ ካልእ ነገር ምጽማድ፡ ዝዀነ ኣወንታዊ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።"
ላውራ ሕጂ ጓል 43 ዓመት እያ - ካብቲ ሓካይም ምልክታት ከስተብህል ክትጅምር እያ ኢሎም ዝገመትዎ ዕድመ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ተሪፉዋ ኣሎ።
"ገለ ነገር ክፍጠር ብቐጻሊ እየ ዝጽበ። 'ሓደ መዓልቲ ህየርወተይ ምንቁልቋል ክጅምር እዩ' ዝብል ግምት ኣለኒ፤ እዚ ግን ድቀስ ኣይከልአንን።"
"ኣብ ህይወታ ንዘለዉ ሰባት ኣመስጊናን ኣዝያ ዕድለኛን እያ" ተብል።
ምስ ዝኾነ ሓድሽ ሰብ ምርኻብ ግን ከቢድ ኰይኑ ኣሎ፤ እቲ ሓቂ ንኣዕርኽታ ክትንግሮም ዶ ስ ሱቕ ክትብል ድማ ኣይወሰንተን።
ላውራ፡ ወትሩ ኣደ ኰይና ክትርኢ ትምነ ነይራ።
"እዚ ከቢድ ነገር እዩ...ግን ትርጉም ዘይብሉ ኰይኑ ድማ ይስመዐኒ"።
ንላውራ ሕዚ፡ ህይወት ማለት 'ዘሐጉሳ' ነገራት ምግባር እዩ።
"ብዛዕባ ዓበይቲ ባህግታት ማለት ኣይኮነን። ሕዚ ኣብ ክሊ እቶም ዝኣምኖም ሰባት ግዜ ክህልወኒን ውሕስነት ክስምዓኒ ክገብርን እየ ዝደሊ።"
"ተፈጥሮ ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ኣብ ደገ ምውፃእ ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ኣብ ማይ ምጥሓል እየ ተዋሒጠ። ኣዝዩ ዘደንፁ ይመስል ግን፡ ብሓቂ ብሓቂ እተን ንኣሽቱ ነገራት ዓበይቲ ነገራት እየን ዝብል እምነት ኣለኒ"።
"ኣብዛ ዓለም ጽቡቕ ሒደት ዓመታት ጥራይ ክሕልፍ ተስፋ እገብር... ዝደለኹዎ ምስታይን ምብላዕን - ክልተ ካብቶም ዝፈትዎም ነገራት'ዮም።"