ምስሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፓስፖርት ኣመሪካ ክሕተም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ ምስሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓዘ ፓስፖርት ወግዓዊ ከም ትገብር ዋይት ሃውስ ኣረጋጊፁ።
እዚ ዜና ፈለማ ብፎክስ ኒውስ ዝተቓለሐ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ውሑድ ቍፅሪ ዘለዎም ፓስፖርታት ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝፅንበል ዝኽሪ መበል 250 መዓልቲ ነፃነት ኣመሪካ ክዝርግሑ እዮም።
ሓቅነት እዚ ዜና ንቢቢሲ ዘረጋገፀ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ፡ እዚ ሓድሽ ቅዲ ዝሓዘ ፓስፖርት ወግዓዊ ኣብ ዝዀነሉ፡ "ፓስፖርት ንምርካብ ዘመልከተ ዝዀነ ኣመሪካዊ ዜጋ" ክረኽቦ ከም ዝኽእል ገሊፁ።
እዞም ፍሉያት ፓስፖርታት ኣብ ኤጀንሲ ፓስፖርት ዋሽንግተን ጥራሕ'ዮም ክቐርቡ።
ኣብቲ ብጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ፍሉይ ፓስፖርት ዘርኢ ምስሊ፡ ስእሊ ዶናልድ ትራምፕ ብታሪኻዊ ፅሑፍ ኣዋጅ ነፃነትን ባንዴራ ኣመሪካን ተኸቢቡ፡ ከምኡ'ውን ብወርቃዊ ሕብሪ ዝተፈረመ ክታም እቲ ፕረዚደንት ይርአ።
ወሃቢቃል ዋይትሃውስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ "እዚ ምስሊ ትራምፕ ዝሓዘ ፓስፖርት ሃገራውነት፡ ኣመሪካውያን ንዘደንቕ ፅንብላት መበል 250 ልደት ኣመሪካ (ኣመሪካ ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ሓራ ወፅያ ከም ነፃ ሃገር ዝተመስረተትሉ) ዘኽብርሉ ካልእ መንገዲ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝኽሪ መበል 250 መዓልቲ ነፃነት ኣመሪካ ምስሊ ትራምፕ ዝሓዘ ፓስፖርት ወግዓዊ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ኣመሪካውያን ዝያዳ ብሃገሮም ክዀርዑ ዝገብሩ ዓይነታት ስፖርት፡ ፅንብላትን ፍሉያት መደባትን ከም ዝህልዉ'ውን፡ እቲ ወሃቢቃል ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ፓስፖርት ኣመሪካ፡ ኣስትሮነመር ኣብ ወርሒ እናዓለበ ከምኡ'ውን ሓወልቲ ሓርነትን ሓዊሱ ኣገዳሲ ታሪኽ እታ ሃገር ዘንፀባርቕ እዩ።
እንተዀነ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ነዚ ምስሊ ትራምፕ ዝሓዘ ፍሉይ ፓስፖርት ኣይንደልን ምባል ይኽእሉ ድዮም ዝብል ግና ንፁር ኣይኰነን።
እዚ ኣብ ዝኽሪ ነፃነት ኣመሪካ ወግዓዊ ዝኸውን ፍሉይ ፓስፖርት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ሽም ወይ ምስሊ ትራምፕ ኣብ ወግዓዊ መደባትን ህዝባዊ ህንፃታትን ናይ ዘቐምጠሉ ሓድሽ ኣገባብ መርኣያ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


