ካብ ናይጀርያ ክሳብ ኤውሮጳ ንታሪኽ ጸዓት ዝቕይር መስመር

መስመር ጋዝ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ዝተሓላለኹን ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዝዀነ መስመራት ጋዝ ናይጀርያ-ሞሮኮ፡ ብመሪሕነት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ላዕለዋይ ስምምዕ ተገይሩሉ።

ፕረዚደንት ሰራልዮን ከምኡ'ውን ናይዚ እዋን መራሒ ዞባዊ ጕጅለ ኤኮዋስ ጁልየስ ማዳ ቢዮ፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ፍሪታውን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ "እቲ ጋዝ ናባኹም ክበጽሕ ከሎ ኣይትገረሙ፡" ክብሉ ነቲ ዘጽደቑዎ ስምምዕ ኣበሲሮም።

እዚ 6,000 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ መስመራት፡ ብገማግም ባሕሪ ኣትላንቲክ ን14 ሃገራት ኣፍሪቃ ብምሕላፍ፡ ካብ ናይጀርያ ዝተበገሰ ጋዝ ናብ ሞሮኮ፡ ካብኡ ድማ ብስጳኛ ኣቢሉ ናብቲ ዘሎ መርበብ ጋዝ ኤውሮጳ ክጽንበር እዩ።

ህንጸት እቲ ፕሮጀክት ብ2028 ክጅምር ትጽቢት ክግበር ከሎ፡ ጠቕላላ ወጻኢኡ ድማ 25 ቢልዮን ዶላር ተገሚቱ ኣሎ።

ምቕያር ኣገባብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ

ክኢላ ጸዓትን ኣማኻሪ መንግስቲ ናይጀርያ ነበርን ቻርለስ ማጆሚ ከም ዝገለጾ፡ እዚ መደብ'ዚ ነቲ ጋዝ ካብ ኣፍሪቃ ተጓሪቱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድሕሪ ምጽራዩ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዕጽፊ ብዝኸበረ ዋጋ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ ዝሽየጠሉ ዝነበረ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ክቕይሮ እዩ።

እዚ ዘሎ ልሙድ ኣሰራርሓ፡ "ነቲ ኣብ ከም ናይጀርያ ዝበላ ሃገራት ዘሎ ሃብቲ ብዋጋ ዘቃልል" ኰይኑ፡ ክውገድ ከም ዝግባእ እውን ገሊጹ።

ብኣንጻሩ፡ እዚ ሓድሽ መስመራት ጋዝ ንዞባዊ ዕብየት ኢንዱስትሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝያዳ ጽልዋን ናይ ምውጋይ ዓቕምን ክትረክብ ክሕግዝ እዩ።

ፕሮፌሰር ጋንያት ኣደጆክ ኣደሲና ድማ እዚ ፕሮጀክት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ከለዋ እንታይ ክዓማ ከም ዝኽእላ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ገሊጻ።

ግዝፍን ትልሚ ትግባረን

እቲ መደብ ከምቲ ዝተሓለነሉ እንተ ተጋሂዱ፡ ኣብ ዓመት 30 ቢልዮን ኩቢክ ሜተር ጋዝ ብምትሕልላፍ ን400 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክህብ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝነውሑ ኣብ ባሕሪ ዝዝርግሑ መስመራት ጋዝ ዓለም ክኸውን እዩ።

እቲ ስራሕ ህንጸት ብሓንሳብ ዘይኰነስ ብመድረኻት ክካየድ እዩ።

ከምቲ ተንተንቲ ንቢቢሲ ዝገለጽዎ፡ ፈለማ ካብ ሞሮኮ፡ ሞሪታንያን ሰነጋልን ዝጅምር ኰይኑ፡ ቀጺሉ ናብ ጋናን ኮትዲቫርን ክሰግር እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ጋዝ ምስ እተቕርብ ናይጀርያ ክተሓሓዝ እዩ።

እዚ መስመር'ዚ ካብቲ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ተኣፋፊ ዝዀነ ዞባ ሳሕል ርሒቑ፡ ብገማግም ባሕሪ ዝሓልፍ ብምዃኑ ስትራተጅያዊ ብልጫ ኣለዎ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ ባሕሪ ዝካየድ ህንጸት ንወጻኢታት እቲ ፕሮጀክት ኣዝዩ ክብ ከም ዘብሎ ይግለጽ።

14 ሃገራት ዝሓልፍ መስመር ጋዝ - ካርታ
መግለጺ ስእሊ, 14 ሃገራት ዝሓልፍ መስመር ጋዝ

ዘለውዎ ብድሆታት

እቲ ዝተገመተ 25 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ (ዝቕባበ) ክውስኽ ከም ዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ፕሮጀክት ዕዉት ንክኸውን ኵለን እተን 13 ሃገራት ነቲ ነዊሕ መስመራት ካብ ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝለዓለ ጸጥታዊ ምትሕብባር ከርእያ ይግባእ።

ቻርለስ ማጆሚ፡ ንጸጥታ እቲ መስመር ንምሕላው ድሮናት ምጥቃም ወሳኒ ከም ዝኸውን ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንጸዓት ካብ ጋዝ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ንምቕያር ዝግበር ዘሎ ስግግር፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ጠለብ ጋዝ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እውን ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ፕሮጀክት ንዞባዊ ጥርናፈ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓለማዊ ዕዳጋ ዝዓለመ ዓቢ ተስፋ ዝተነብረሉ ስራሕ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።