ሞሮኮ ናብ ግዝኣት ስጳኛ ክሰግሩ ንዝፈተኑ ስደተኛታት ኣሲራ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሰብመዚ ሞሮኮ ናብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቓ እትርከብ ኣካል ግዝኣት ስጳኛ ዝዀነት ከተማ ሲውታ ክሰግሩ ዝደልዩ ዓሰርተታት ስደተኛታት ከምዝዓገቱ ን ከምዝኣሰሩን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ልዕሊ 100 ሰባት ናብቲ ኣብ ወሰን ከተማ ፍኒደክ ዝርከብ ዶብ ክኸዱ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተዓጽዮም ከምዝነበሩ ማዕከናት ዜና ስጳኛን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ዝጠቐስዎ ምንጭታት ጸጥታ ሞሮኮ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝነበረ ክስተት፡ ናብታ ከተማ ብባሕሪ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ እቶም 100 ከምዝሞቱ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።

እቲ ከንቲባ ብተወሳኺ፡ ካብቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብታ ከተማ ዝኣተዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ናብ ሞሮኮ ከምዝተመለሱ'ውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት'ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብጥርኑፍ ናብታ ስጳኛዊት ከተማ ሲውታ ንምስጋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓሳት ክግበር ምስ ጀመረ፡ ኣብቲ ዶብ ሓለዋ ዶብ ሞሮኮን ስጳኛን ብብዝሒ ከምዝተዋፈሩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ካብ ኣካላት ጸጥታ ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሰብ መዚ ሞሮኮ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝኾኑ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ክተኣኻኸቡ ዝረኸብዎም 111 ሰባት ኣሲሮም ኣለዉ።

ፖሊስ ሞሮኮ፡ ኣብ ጥቃ እቲ ዶብ ኣብ ዘርከብ ጎቦታት ዝተኣከቡ ጉጅለታት ስደተኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕሙ ይንገር።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን መንግስቲ ሞሮኮ ትማሊ ሰንበት ብጅምላ ናብ ስጳኛ ንምስጋር ዝጽውዕ "ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ መበቆሉ ዘይፍለጥ ጽሑፋት" ይከታተል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣዳለውትን ተሳተፍትን ክኸስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ስጳኛ ነቲ ናይ ስደተኛታት ማዕበል ንምዕጋት "ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይዱ" ወተሃደራት ኣዋፊራ ምህላዋ ጳኛዊት ጋዜጣ ኤል ፓይስ ጸብጺባ።

ሞሮኮ'ውን ብግደኣ ትማሊ ሰንበት ኣጋር ሰራዊት፡ ፍጥነት ዘለወን ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ዶብ ከምዝለኣኸት ሓቢራ።

ስጳኛ ብተወሳኺ ልዕሊ 1500 ኣባላት ጸጥታ ኣዋፊራ ኣብቲ ከባቢ ሓለወትገብር ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ስጳኛ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ተኸቲሉ ብሓጺን ዝተሰርሐ ሓጹርን ኣብ ባሕሪ ዝንሳፈፍ መከላኸልን ተኺላ'ያ።

እቲ ቅልውላው፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ሃዲኡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ ክፉት ዶባት ዘለወን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ወጥሪ ኣልዒሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ስጳኛ ነቐፌታ ፈጢሩ'ሎ።

ኢጣልያ ነቲ 29 ኣባላት ዝሓቖፈ ሸንገን ቪዛ ምስ ስጳኛ ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ ደው ኣቢላ፡ ካብ ስጳኛ ኣብ ልዕሊ ዝመጹ ሰባት ድማ ኣብ ዶባ ተፍትሽ ኣተኣታትያ።

ሸንገን፡ ዜጋታት እተን 29 ኣባላት ሸንገን ዝዀና ሃገራት ካብን ናብን ከምድላዮም ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘፍቅድ ኰይኑ፡ ናብ ሓንቲ ካብዘን 29 ሃገራት ቪዛ ረኺቡ ዝኣተወ በጻሒ'ውን ናብተን ዝተረፋ ሃገራት ብዘይዝዀነ ተወሳኺ ቪዛ ክኣቱ ዘፍቕድ'ዩ።

ኢጣልያ ብፊንላንድን ዴንማርክን ክትድገፍ እንከላ፡ ቸክ ሪፓብሊክ ኣባልነት ስጳኛ ንግዚኡ ክቋረጽ ጸዊዓ።

ስጳኛ ብሕርቃን ግብረ መልሲ ሂባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ከተማ ሲውታ ኣካል ከባቢ ሸንገን ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ቀንዲ መሬት ስጳኛ ከምዘይበጽሑን ናብ ዝኾነት ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ክገሹ ከምዝኽእሉን ኣመልኪቱ።

ስጳኛ፡ ኢጣልያ ኣብ ዶባታ እትገብሮ ተፍትሽን ምቁጽጻርን ከተቋርጽ ተማሕጺናታ ምስ ኣበየት፡ ስጳኛ'ውን ብተመሳሳሊ ካብ ጣልያን ናብ ስጳኛ ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ኣብ ዶብ ክትፍትሾም ጀሚራ።

እዚ ከኣ ትማሊ 15 ነሓሰ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብጅምላ ሰባት ክሰግሩ ክፍትኑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ብብዝሒ ስለዝነበረ'ያ ስጳኛ ብኹሉ ኣንፈት ሓለዋኣ ኣደልዲላ ዘላ።

ብሰንበት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ ሃገሩ "ኣብ ሲውታ ሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ከይመጽእ" ከምዝሰግአት ገሊጹ።

"ኣንጻር ስጳኛ ዝኾነ ዓይነት 'ኵናት' የብልናን፡ ንዝመጹ ሰባት ብጥንቃቐ ጥራይ ኢና ንቆጻጸሮም ዘለና" ኢሉ።

"ስጰኛ ኣብ ክንዲ ብዛዕባና ትጭነቕ ብዛዕባ ሞሮኮ ክትጭነቕ ኣለዋ፡ እቲ ጸገማት ካብኡ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ብርግጽ ካባና ኣይኮነን" ብምባል ገሊጹ።