መንገዲ ኣየር ባድር ካብን ናብን ኣስመራ ንግዳዊ በረራታት ጀሚሩ

ሰበስልጣን ኤርትራን ሱዳንን መንገዲ ኣየርን ባድርን ብሓባር ቶርታ እናቘረሱ

ምንጪ ስእሊ, Badr Airlines

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መንገዲ ኣየር ባድር ሓድሽ ስሩዕ ንግዳዊ በረራታት ካብን ናብን ኣስመራ ከም ዝጀመረ ኣበሲሩ።

እዚ ምጅማር በረራ'ዚ፡ እቲ መንገዲ ኣየር መስመራቱ ኣብ ዘስፍሓሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢስታንቡልን ካይሮን ሓድሽ መስመራት ከፊቱ እዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምብሳር ስነ-ስርዓት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልተአን ሃገራትን መራሕቲ እቲ ትካልን ተረኺቦም ነይሮም።

ዋና ዳይረክተር ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ካሕሳይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ መንገዲ ኣየር ባድር ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ኣስመራን ዝጀመሮ ንግዳዊ በረራ፡ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዝጓዓዙ ገያሾ ሰፊሕን ተወሳኽን ምርጫታት ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ኡሳማ ኣሕመድ፡ ዋና ዳይረክተር ሲቪል ኣቪየሽን ሱዳን ኣቡበከር ኣል-ሲዲቅን ዋና ሓላፊ ፋይናንስ መንገዲ ኣየር ባድር ታሪቅ ኣሕመድን ብወገኖም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡ እዚ በረራ'ዚ ንግዳዊ ረብሓታት ካብ ምምጻእ ሓሊፉ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ሕውነታውን ምሕዝነታውን ዝምድናታት ንምዕባይን ምሕያልን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣስሚረምሉ።

እዚ ብሱዳናውያን ሰብ-ሃብቲ ዝውነን ኣብ 1997 ዝጀመረ ኩባንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ተበጻሕነቱ ንምስፋሕ ዓበይቲ ስጕምቲታት ክወስድ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ትካል ምስ ቱርኪ (ኢስታንቡል) ዘራኽብ ሓድሽ መስመር ምኽፋቱ፡ መርበባት በረራታቱ ንምዕባይ መሰረት ዘንበረ ክኸውን ከሎ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ግብጺ (ካይሮ) ዝገብሮ በረራታት ብምጅማሩ ንመገሻታት ኣብዚ ዞባን ክንዮኡን ዓቢ ምቅላል ፈጢሩ እዩ።

ሕጂ ድማ ኣስመራ ክፋል ናይዚ ስትራተጅያዊ ምስፍሕፋሕ ብምዃና፡ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተመስረቱ መስመራት ካይሮን ቱርክን ክትተሓሓዝ እያ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምስ ኣስመራ ዘተኣሳስር መስመር ብምኽፋቶም ኩርዓት ከም ዝስምዖም ድሕሪ ምግላጽ፡ "እዚ መስመር'ዚ፡ ንርክብ ክልተአን ሃገራት ዘደንፍዕ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ካልእ ዓለም'ውን ማዕጾታት ዘርሑ፡" ምዃኑ ይገልጽ።

እዚ መንገዲ ኣየር ንኣስመራ ምስ ኢስታንቡል፡ ካይሮ፡ ጁባ፡ እንተበ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ጅዳን ሪያድን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣህጉራውያን መዓርፎታት ብቐጥታ ከራኽባ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ በረራት'ዚ፡ እታ ድሩት ኣህጉራዊ በረታታት ከም ዘለዋ ንእትግለጽ ኤርትራ ዓቢ ፍታሕ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መስከረም 2024 ጀሚሩ በረራታቱ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ገያሾ ብሰንኪ ቀጥታዊ በረራታት ዘይምህላዉ ብዱባይ፡ ካይሮን ኢስታንቡሉን ኣቢሎም ክሳብ 17 ሰዓታት ዝበጽሕ ናይ ትራንዚት ጕዕዞ ክወስዱ ተገዲዶም ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ኬንያዊ ኩባንያ ኣስትራል ኣቪየሽን ናይ ጽዕነት በረራታት ካብ-ናብን ኣስመራ ክጅምር ከሎ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ'ውን ካብ ሕዳር 2026 ጀሚሩ ናብ ኣስመራ ኣርባዕተ ግዜ ሰሙናዊ በረራታት ንምጅማር ስትራተጅያዊ ውጥን ከም ዝሓንጸጸ ምፍላጡ ይዝከር።

መንገዲ ኣየር ባድር ቀንዲ መደበሩ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም እኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ግን ካብ ፖርት ሱዳን እናነቐለ እዩ በረራታቱ ዘካይድ ዘሎ።