ትግራይ፡ ዕጫ ጀነራል ታደሰ እንታይ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, EBC
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝኸውን ሓደ ዓመቱ ዝሓለፎ ኰይኑ፡ እቲ መጋቢት 30 ዘብቅዕ ዝነበረ ስልጣኑ ተናዊሕሉ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ውድብ ህወሓት፡ እቲ ምንዋሕ ስልጣን ብመንግስቲ ፈደራል ዝተወስደ 'በይናዊ ስጕምቲ' ብምባል ዝተቓወመ ዀይኑ፡ ብማእከላይ ኮሚተኡ ኣቢሉ ድማ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፈርስ ወሲኑ ኣሎ።
ኣብዚ ቅድሚ መግለፂ ማ/ኮ ህወሓት ዝተሰናደአ ዛንታ፡ ዕጫ ታደሰ ወረደ እንታይ እዩ ክኸውን፡ ትግራይከ ኣብ ናቱ ምምሕዳር እንታይ ትመስል፡ ክንብል ንገለ ነበርትን ተዓዘብትን ሓቲትና አለና።
ካቢነ ታደሰ ወረደ
ታደሰ ወረደ፡ ምክትል ኰይኑ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጠን ኣብ ምውራድ ምስቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ከም ዝተሓባበረ ይዝረብ።
እቶም ታደሰ ወረደ ዝምርሑ ዕጡቓት ንጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ምስ ኣለዩዎ፡ ንዕኡ ብምትካእ [ድሌት ህወሓት ኰይኑ] ፕረዚደንትነት ተረኪቡ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ካብቶም ሸሞንተ ክትግብሮም መፅበዓ ዝኣተወሎም ነጥብታት ሓደ ሓቋፊ ካቢነ ከጣይስ ዝብል ይርከቦ።
ኣብቲ ንዓመታት ህወሓት ዝዓብለሎ ክልል፡ ኣብ እዋን ጌታቸው ረዳ፡ ሓሳብ ብነፃነት ክንሸራሸርን ዝተፈለየ ሓሳብ ክስማዕን ጀሚሩ ነይሩ። እቶም 'ሕሉፋት' መራሕቲ ህወሓት ግን ነዚ ከም ስግኣት ርእዮምዎ ተባሂሎም እዮም ዝንቀፉ።
ኣብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ዝምህር፡ ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ እዋን ጌታቸው ረዳ ተራእዩ ዝነበረ ተስፋ፡ ኣብ ታደሰ ወረደ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ልዕሊ 21 ኣባላት ዝሓቘፈ ካቢነ ታደሰ፡ ብዘይካ ታደለ መንግስቱ ዝተብሃለ ኣባል ውድብ ባይቶና፡ እቶም ብስም ምሁራትን ማሕበራት [ደቂኣንስትዮን መናእሰይን] ዝተወከሉ ሓዊስካ፡ ኣባላት ወይ ድማ ደገፍቲ ህወሓት ምዃኖም ይዛረብ።
ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ታደሰ ወረደ ምክትል [ጌታቸው] ኣብ ዝነበረሉ እዋንን፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝዀነሉን እዋን፡ እንትፃፀር፡ "ትግራይ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ ተሰጋጊራ" ክብል ይድምድም።
ታደሰ ወረደ ግን፡ ኣብቲ ዝሓለሰፈ ሰሙን ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ "ሕድሕድ ኣባል ካቢነ ስለምንታይ ከምዝሓረኽዎ ብልቢ እፈልጥ እየ፤ ኰነ ኢለ ዝገበርክዎ እዩ" ይብል።
ኣብ ኣሳታፋይነት እቲ ካቢነ ሕቶ ዝለዓል ኰይኑ፡ ከምኡ ማለቱ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ግን ንፁር ኣይኰነን።
ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ "ኣብ ፕረዚደንት ታደሰ ኣባላት ካቢኔ ዝነበራ፤ 'ቅዋመን ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እዩ' ብዝብል ተደፊአን ክወፅኣ ከምዝተገብራ" ከም ኣብነት ጠቒሱ፡ ይነቅፍ።
እተን ኣንፃራዊ ነፃነት ክርእያ ጀሚረን ዝነበረ መራኸቢ ብዙሃን ከይተረፋ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዋና ሓለፍቲ ከምዝተሸሙለን ይግለፅ ኣሎ።
እዚ ዝንባለ ድማ፡ ምስቲ ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝእንፈት ዘሎ፡ ንዝተፈለየ ሓሳብ ዝሓዘ ሰብ፡ 'ዜሮ ቶሎራንስ' ዝብል ኣንፈት፡ ዝምንጩ ከምዝዀነ እዩ እቲ ፕሮፌሰር ዝዛረብ።
"ኣብ እዋን ጌታቸው ኵሉ ነገር ፅቡቕ ነይሩ ኣይንብልን፤ ግን ድማ እታ ዝነበረት ንእሽቶ ነፃነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጠቕሊላ ከምዝጠፍአት እየ ርእየ።"
ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝዀነ፡ ገ/መድህን ገ/ሚካኤል ብወገኑ፡ "ንወዲ ወረደ [ታደሰ ወረደ] እውን ፎትዮም ኣይኰነን ዝሸምዎ፤ ነባር ተጋዳላይ እዩ፤ ሓዲጉ ኣይሓድገናን፡ ብዙሕ ጉድኣት ኣየስዕብን- ብዝብል እዩ ነይሩ" ይብል፡ እቲ ሕዚ ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞ ኣመልኪቱ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ንሱ እቲ ሕዚ ዝተገብረ መስርሕ ምንዋሕ ስልጣን ልክዕ ከምዘይኰነ'ኳ እንተኣመነ፡ ነገር ግን መራሕቲ ህወሓት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝምችው መገዲ እናተመቓቐሉን እናተፈራኸሱን ከምዝሓደሩ ይዛረብ።
"ኣብ ገጠራት ትግራይ ድጋፍ ከምዘለዎም ይግምት እየ፤ ካብቲ ኣብ ፖለቲካ ዓብዪ ፅልዋ ዘለዋ ማሕበረሰብ ግን ተፀሊኦም እዮም፤ በቲ ሕዚ ዝኸድዎ ዘለዉ መገዲ ንትግራይ ዕዳ 'ምበር ፀጋ ኣይኰኑን፡" ክብል ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኲናትን ወረ ኲናትን ዝዓብለሎ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, EBC
ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ አበባን ኣስመራን ዘሎ ወጥሪ፡ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ህወሓት ምስ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝገብሮ ምቅርራብ ንማእከላይ መንግስቲ ዘቘጠዖ እዩ ዘሎ።
ፖለቲካዊ መራሕትን ልሂቃንንን ተጋሩ ድማ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ዝተፈላለየ ቅዋም ሒዞም ክመቓቐሉ ምኽንያት ኰይኑ ይርአ ኣሎ።
ታደሰ ወረደ፡ ሓደ ካብቶም ዝኣተዎም መፅበዓታት፡ ነቲ 'ዘይመትከላዊ' ዘይሕጋውን' ዝተብሃለ ርክባት ጠጠው ከብል ዝብል እዩ ነይሩ። ህወሓት ግን ምምሕያሽ ህዝባዊ ርክባት ብዝብል እዩ ዘገልፆም።
ካብዚታት ብዝብገስ፡ መንግስቲ ፈደራል ንትግራይ ብዝተፈላለዩ ክልከላታትን ዕፅዋን ክቐፅዕ ተራእዩ እዩ።
እቲ ምትፍናን፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ገለ ከባብታት - ወረዳ ፀለምቲ- ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነበርቲ፡ በቲ 'ሎሚ ፅባሕ ኲናት ተጀመረ' ዝብል ዝውዛዕ ወረ ሻቕሎት ፈጢሩሎም እዩ ሓግዩ።
ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ታደሰ ወረደ፡ ኣብ እዋኑ፡ "ሓንቲ ፅቡቕቲ ገይሩ ኢለ ዝወስዳ፡ እቲ ኲናት ከይጅመር ገይሩ እንተዀይኑ ጥራይ እዩ" ይብል።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝውላዕ ዝዀነ ዓይነት ኲናት፡ ንትግራይ ይዅን ነቲ ቐጠና፡ ኣዝዩ መዕነዊ እዩ ክዀን" ኢሉ።
ብሰንኪ ቚጠባውን ማሕበራውን ብድሆታትን ስግኣት ኲናትን፡ መናእሰይ ፈቘድኡ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ኢትዮጵያ ይብተኑን ይስደዱን ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕበሩ።
ታደሰ ወረደ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ በጀት ንኲናት ምድላው ኢኹም ክተውዕልዎ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ፡ ኣዝዩ ኣካቲዑ ከምዝነበረ ገሊፁ።
" 'ናይ ኲናት ምድላው ትገብሩ ኣለኹም'፡ 'ናብ ኲናት ምድላው ክተውዕልዎ ኢኹም' ዝብል ሕቶ ነይሩ፤ ኣብዚታት ዝተኻረረ ምይይጥ ነይሩ፤ እንተዝኸውን'ውን ግን እተን ናብ ትግራይ ዝኣትዋ ባጀት ናብ ጁባ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኣትዋ እየን፣ በዚአን ዝግበር ምድላው ኲናት የለን" ኢሉ፡ ኣብ መግለፂኡ።
ሕዚ ግን ምስ ምንዋሕ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ተኣሳሲሩ፡ ዝተወሰነ ባጀት ከምዝተለቐቐን፡ መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝልቀቕ፡ ቃል ከምዝተኣተወሉ ተዛሪቡ።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘውፀኦ መገለፂ፡ ነዚ ተስፋ ተገይሩሉ ዝነበረ ተበግሶ ብኣሉታ ከይፀልዎ ይስጋእ።

ዝቐረበ ፀብፃብ ብኸመይ ይርአ?
ጀነራል ታደሰ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝርከቦ ንካቢኔ ፈደራል ዘቕረቦ፡ ዓመታዊ ሪፖርት መሰረት ገይሩ ዝቐረበ ፀብፃብ መንግስታዊ ሚድያ [ፈደራል] ግን፡ ኣብቲ ክልል ሰፋሕቲ ንጥፈታት ልምዓት ከምዝተሰርሑን፡ ዕዉት ዓመት ከምዝነበረን ይገልፅ።
ታደሰ ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ እቲ ኣብተን ሚድያታት ዝርአ ምስሊ ናይ ሕዚ ምዃኑ ኣረጋጊፁ፡ "እዚ'ኮ ሓቢእኻ ዝሕባእ ኣይኰነን፤ ትግራይ ዋላ ባጀት ተኸሊኣ ግን ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኣይተቐመጠትን ነይራ። እተን ሚድያታት ነቲ እዋናዊ ፀገማት እቲ ክልል ዘይምክታተን ግን፡ ናታተን ክፍተት እዩ፤ 'እዚ በሉ እዚ ኣይትበሉ' ኣይበልኩን" ኢሉ።
ስለዚ ታደሰ ወረደ፡ እቲ ኣብ ናቱ ዓመታዊ ፀብፃቡ መሰረት ገይሩ ዝቐረበ ሪፖርታዥ፡ ብሕሶት ኣይከሰሰን ወይ ድማ ኣይነፀገን፤ እርማት ክግበረሉ ከምዝሓተተ ዝገልፅ ነገር'ውን የለን።
እቲ ፀብፃብ፡ 'ናይ ይቦተኹ' ዝመስሎም ነበርቲ ግን ዘቘጥዕ ከምዝዀነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ይዛረቡ።
ስሙ ከይንጠቅሶ ዝሓተተና ኣብ ዘይምንግስታዊ ትካል ዝሰርሕ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ "ሓደ ዓመት ምሉእ እዚኣ እትበሃል ከይተሰርሐላ እያ ሓሊፋ፤ ኣብያተ ትምህርቲ እናተዓፀዉ፡ መናእሰይ ትግራይ ፈቐዶ ተሰዲዶም መቐለ ጨረውረው ዝበለ ነገር ኣብ ዘለሉ እዋን፡ እቲ ዝቐረበ ሪፖርት ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓዲ ይዛረቡ ከምዘለዉ ኣይተረድአንን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ታደሰ ብሓቂ ከምኡ እንተኢሉ፡ ነገር ትግራይ ናበይ ይኸይድ ከምዘሎ ግልፂ እዩ፤ መድሃኒት፡ ነዳዲ፡ መሃያ ኣብ ዘይብሉ፡ ቅርሽኻ'ኳ ክተንቀሳቕሰሉ ኣብ ዘይትኽእል፡ እዚ ኹሉ ልምዓት ብኸመይ እዩ ተሰሪሑ" ክብል ይሓትት።
"ወይ ድማ፡ እዚ ሓቂ ኣይኰነን ኢሉ ክቃወም ይግባእ ነይሩ፤ ኣብ ገጠራት ትግራይ ሰኣን ትራንስፖርት ሓራሳት ይሞታ እየን ዘለዋ፤ እዞም ሰባት ግን ብዘይካ ስልጣኖም፡ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዘይግድሶም ምዃኑ እዩ ዘርኢ" ኢሉ።
'ንድፋእ ኣለና'
ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ኣብቲ ክልል ንመረፃ 2018 ዓ.ም [ግ] ምችው ኵነታት ክፈጥር፡ ታደሰ መፅበዓ ካብ ዝኣተዎም ጉዳያት ሓደ ነይሩ፤ ኣብዚ እዋን ዛዕባ መረፃ ምሉእ ንምሉእ ተረሲዑ ይርከብ።
ታደሰ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዛዕባ 'ጉዳይ መረፃ' ዘትዩሉ እንተዀይኑ ኣይተፈልጠን፤ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂኡ'ውን ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ዓቢ ዛዕባ ከልዕል ኣይተሰምዐን።
"ንኢትዮጵያ መስዋእቲ ዝኸፈልና፤ ሕዚ ካብ ኢትዮጵያ ንድፋእ አለና ዝብል ኣብ ህዝቢ ሓያል ስምዒት" ከምዘሎ ግን ኣልዒሉ ተዛሪቡ።
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ምስራዙ ዝዝከር እዩ።
ሕዚ'ውን ትግራይ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ውክልና ዘይብላ ክትቕፅል እንተዀይና፡ ንኣስታት 10 ዓመታት ካብ ኣብያተ ምኽሪ ኢትዮጵያ ትንፀል ኣላ ማለት እዩ፤ ይብሉ ተንተንቲ።
እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየድ ዝዀነ ፖለቲካዊ ዀነ ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት መድረኻትን ክትንፀል ምዃና ዘመልክት እዩ፤ ድሮ'ኳ፡ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝግብኦ 'መድረኽ ህዝባዊ ዘተ' ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተገዲዱ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ወኪሉ ዝተረኸበ ምክትል ፕረዚድነት ታደሰ ወረደ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ " ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተደፊኡ ክወፅእ ይግበር ኣሎ፡" ዝብል ቃል ኣስሚዑ ነይሩ።
ሕዚ ድማ፡ ህወሓት ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ምምሕዳር ክፈርስ ምውሳኑ ነዚ ተነፅሎ ከግድዶን ናብ ካልእ ዙር ግጭት ክመርሕን ዝዕድም ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።
![ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 [ኣ.ኤ] ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ቈላሕታ ክገብሩሎም ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/29bc/live/5739e580-39d7-11f1-879d-1b2f5c3919b8.jpg.webp)
ጉዳይ ተመዛበልቲ
ጌታቸው ረዳ ዀነ፡ እቲ ስልጣኑ ተናዊሕሉ ዘሎ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ መዓልታዊ መግለፂ ዝህብሉ ጉዳይ ኰይኑ፡ ብግብሪ ግን ተመዛበልቲ ኲናት ትግራይ ኣደዳ ቍርን ፀሓይን ኰይኖም መረበቶም ዛጊድ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ይርከብ።
መምህር መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኣብራሃ ሃይለዝጊ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ጉዳይ ተመዛበልትን ግዝኣት ሓድነት ትግራይን፡ ሕጋዊ ሰብነቶም ንምላስ ኣጀንዳ ከምዝገብርዎ ቅድም ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሕዚ'ውን ብሰላማዊ መገዲ ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ከምዝሰርሕ ዝገለፀ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ግን፡ ኣብቲ ናይ ቀረባ እዋን መግለፂኡ፡ "ምምላስ ተመዛበልትና ይኹን ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ ካብ ጭርሖ ዝዘለለ ክኸውን ኣለዎ" ክብል ተሰሚዑ።
ብዝዀነ ይዅን መገዲ ናብ ውግእ ከየምርሕ ከም ዝፅዕር ድማ ተዛሪቡ፤
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ተዓዘብትን፡ ታደሰ'ቲ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ኲናት ክደናጐ፡ ገይሩ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝኣምኑ። ካብኡ ወፃኢ ግን፡ ንዘረብኡን ቃሉን ብጥርጣረ እዮም ዝርእዩዎ።፡
እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ርእይቶ ወሃቢ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ "ታደሰ ወረደ ካብተን ዝኣተወን መፅበዓ ሓንቲ ከይተግበረ፡ ስልጣኑ ምንዋሕ ማለት፡ ምንዋሕ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ማለት እዩ፤ ድሌት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰላሕታ ይፍፅመሉ ስለዘሎ እዩ ሰልጣኑ ኣናዊሕሉ" ኢሉ።
ኰይኑ ግና፡ እቲ ርእይቶ ወሃቢ፡ ነቲ ካብ ህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ ድማ ኣይቅበሎን።
"ታደሰ 'ናትና እዩ ' ኢሎም፡ ባዕሎም ዘምፅእዎ ሰብ እዩ፡ ሕዚ ድማ በቲ ዝደለዩዎ ስለዘይከደሎም፤ ፅምዶ ስለዘይተግበረ፤ ኲናት ስለዘይወለዐ ፀሊኦምዎ።"
ስለዚ፡ ይብል፡ "ዶ/ር ደብረፅዮን ተመሊሱ ስልጣን ክቁፃፀር እሞ፤ ንመንእሰይ ኣገዲድና ናብ ኲናት ክንኣቱ ኢና- ዝብል ድሌት እዩ ዘለዎም"።
እቲ ስሙ ዘይንገልፆ ነባሪ፡ ሓቛፋይ መንግስቲ እንተ ተመስረተ፡ ኣብ ትግራዋይነት መሰረት ዝገበረ ሓድነት ተፈጢሩ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ስጡም ድርድር ክግበር ይብህግ።
"ካብዚ ወፃኢ፡ በቲ ዝቕፅል ዘሎ መገዲ፡ ከም ክልል'ው ዘይክንቅፅል ንኽእል ኢና" ኢሉ።
መምህር ገ/መድህን ብወገኑ፡ ህወሓት'ውን፡ ድሕሪ ሕዚ ኣይኰነንዶ በይኑስ ምስ ካልኦት ሓቢሩ'ውን ንሱ ዝዕብልሎ መንግስቲ ኣይክህሉን፤ ክብል ነቒፉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


