'ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ'፡ ኣንጻር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ተላዒሉ ዘሎ ሕጋዊ ማዕበል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ተግባራት ኢንፋንቲኖ ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ እዩ"፣ "ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብምጥላም ዝፈጸሞ ዓቢ ክድዓት"፣ "ንጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ዝፈጠሮ፡ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝዀነ ስምምዕ።"
እዚ ጠበቓታት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ (ዩኤፋ) ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቡዎ ናይ ክሲ ሰነዳት፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ካብ ዝተጠቐምሉ ዘሰንብድ ተሪር ቃላት እዩ።
እቲ ክሲ፡ ኢንፋንቲኖ ነቲ ሕጂ ተሰሪዙ ዘሎ "መሰል ውድድራት ፊፋ ንውልቃውያን ኣውፈርቲ ናይ ምሻጥ" መደብ ብምስጢር ክውን ንምግባር ዝገበሮ ፈተነ ዝገልጽ እዩ።
ዩኤፋ ከም ዝገልጾ፡ ኢንፋንቲኖ ንዋጋ ዋንጫ ዓለም "ብዘይተኣመነ ትሑት ደረጃ" ተሚኑዎ እዩ።
እዚ ድማ ብዘይ ግሉጽነትን ናጻ ገምጋምን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ፊፋን 211 ኣባላቱን "ቀጥታዊ ጕድኣት" ዘውረደ ስምምዕ ምዃኑ እዩ እቲ ክሲ ዘመልክት።
እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝቐረበ ሰነዳት፡ ንኢንፋንቲኖን "መሻርኽቱ"ን ብግቦ ይኸስስ።
ዩኤፋ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ምስጢራዊ መርትዖታትን ሰነዳትን ክረክብ ሕጋዊ ቃልሲ ዝገብር ዘሎ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣንጻር ኢንፋንቲኖ ንዘቕርቦ ገበናዊ ክሲ ከም መወከሲ ንምጥቃም እዩ።
ኢንፋንቲኖ ኣብ ማእከል ማዕበል
እቲ ዘገርም ግን፡ ኢንፋንቲኖ ካብዚ ኵሉ ጸቕጢ ንላዕሊ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንዓኡ "ጽቡቕ ሰሙን" ምንባሩ እዩ።
እቲ ጽልዋ ዘለዎ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስዑዲ ዓረብ፡ "ኢንፋንቲኖ ሓድነት ንምምላስ ንዝገብሮ ጻዕሪ ንድግፎ ኢና፡" ክብል ደገፉ ገሊጽሉ ኣሎ። ዩኤፋ'ውን ድሕሪ እቲ ዝተገብረሉ መረጋገጺ፡ ነቲ ውድድራት ፊፋ ናይ ምስራዝ ስግኣቱ ኣልዒልዎ እዩ።
እንተዀነ፡ ዩኤፋ ሕጂ ነቲ ጉዳይ ናብ ገበናዊ ክሲ ብምቕያር ንኢንፋንቲኖ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘለዎ ቈራጽነት ኣርእዩ ኣሎ።
ኢንፋንቲኖ ብወገኑ፡ እቲ መደብ (FFE) ንንግዳዊ ዓቕሚ ፊፋ ንምዕባይ ዝተሓሰበ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ንዝተፈጥሩ "ጌጋታት" ይቕረታ ሓቲቱ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብምኻድ ንስልጣኑ ዘጽንዕ ደገፍ ኣብ ምእካብ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጋዊ ብድሆታትን መጻኢ ምርጫን
ቢቢሲ ስፖርት ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ዩኤፋ ካብ ሰለስተ ወገናት ሓበሬታ ክወሃቦ ይሓትት ኣሎ፤ ካብ ፊፋ፡ ካብቲ 'ትራይቭ ካፒታል' ዝተባህለ ትካልን ከምኡ'ውን ካብቲ ቀንዲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ግረግ ማፈይን።
ጆሽ ኩሽነር'ውን ሓደ ካብቶም ዩኤፋ ሓበሬታ ክህቡዎ ዝደልዮም ሰባት እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣንጻር ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ፊፋ ገበናዊ ክሲ ምቕራብ ከቢድ ስጕምቲ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር ሴፕ ብላተርን ሚሸል ፕላቲኒን ዝቐረበ ክስታት ብናጻ ምፍናዎም ይፍለጥ።
ዩኤፋ ግን ሕጂ ነቲ ትካል ካብ ጽልዋ ሓደ ውልቀሰብ ኣውጺኡ፡ ግሉጽነት ናብ ዘለዎ ምሕደራ ንምምላስ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ኢንፋንቲኖ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ገለ ክፋል እስያን ደገፍ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንራብዓይ ግዜ ክምረጽ ከም ዝጽዕር ይፍለጥ።
ዩኤፋ ግን ነዚ ንምብዳህ "ተኣማኒ ኣማራጺ" ንምቕራብ ምስ መሻርኽቱ ይዘራረብ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ዩኤፋ ላውራ ማክኣሊስተር ንቢቢሲ ስፖርት ክትገልጽ ከላ፡ "ኣብ ኩዕሶ እግሪ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣመራርሓ ከነንግስ ኣለና። ለውጢ ብሓንቲ ለይቲ ኣይመጽእን እዩ፡" ኢላ።
ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ዝካየድ ምርጫ፡ መጻኢ ኣንፈት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝውሰነሉ ዓቢ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን እቲ ምፍልላይን ውጥረትን ኣብቲ ዓለማዊ ስፖርት ነጊሱ ክቕጽል እዩ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



