መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ኣብያተ-ክርስትያን ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ግእዝን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ኣብ ዝሃብዎ "ቃለ ቡራኬ" ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም።

ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ካብ ዘመን ማርቆስ ወንጌላዊ ፳፻፲ወ፰/2018 ዓመተ ምሕረት ናብ ዘመነ ሉቃስ ዜናዊ ፳፻፲ወ፱/2019 ዓመተ ምሕረት ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን" ኢሎም።

"እምበኣር ሎሚ ዓመት 7519 ዓመተ ዓለም እዩ። ካብዚ 5500 ዓመት ዘመነ ኵነኔ ይበሃል፣ 2019 ድማ ዓመተ ምሕረት ይበሃል" ክብሉ'ውን እቶም መንፈሳዊ መራሒ ኣብሪሆም።

ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘመንበረ ኣስመራ ዝኾኑ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማሪም ብወገኖም፡ ብኣጋጣሚ "ሓዲስ ዓመተ ምሕረት" ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ብምግላጽ፡ ደቂ ሰባት ንዘለዎም ድሩት ግዜ ከየባኽኑ ኣዘኻኺሮም።

"ብጽቡቕ እንተ ተጠቒምናሉ ግዜ ወርቂ እዩ" ዝበሉ እቶም ኣቡን፡ "እቲ ቀዳማይ ትርጉሙ፡ ብቋንቋ ግሪኽ (ጽርኢ) ክሮኖስ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ እዚ ከኣ ናይ ግዜን ሰዓታትን፡ ናይ ዓመታትን ኣዋር[ሕ]ን፡ ናይ ዓመታትን ብቅደም ተኸተል ምሕላፍ የስምዕ" ኢሎም።

"እቲ ካልኣይ ትርጉም ናይ ጊዜ እንደገና ብቋንቋ ግሪኽ (ጽርኢ) ካይሮስ ዝብል መጸውዒ ይወሃቦ። እዚ ከኣ ጊዜ ድ[ሕ]ነትና ዝፍጸመሉ ህያብ እግዚኣብሄር እዩ"።

ሓድሽ ዓመተ ግእዝ ጽባሕ ዓርቢ 11 መስከረም ዝፍልም ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኽበር በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ተደሪቡ ዝጽንበል'ዩ። ዓውደ-ኣዋርሕ ግእዝ ወግዓዊ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

"ጐይታ ብጠለ ዝናቡ ይተዓረቐና" ክብሉ'ውን ምስቲ ደሪቚ ዘሎ ክራማት ኤርትራ ብምትእስሳር ጸሎት ኣብጺሖም።

ፓትሪያርክ ኣቡነ ባስልዮስ'ውን፡ ነዚ ሓያል ኲነታት ክራማት ጐስዮሞ ኣይሓለፉን። "ናይ ምድሪ በረኻታት ጠሊ ይጸግቡ፡ ኣብ ምድረ በዳ ገቦታት ይረውዩ . . .ከም ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ዘመን ክረምቲ ውሕድ ዝበለ እኳ እንተኾነ 'ኣልቦ ዘይሰኣኖ' እግዚአብሔር ንሱ መጋብን ሰራዕን እዩ`ሞ፡ ንወርሓ ክረምቲ ባሪኹ፡ ንዝሃበና ልምላሜ ናብ ፍረን ቆፎን፡ ከምኡ`ውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና" ብምባል ትምኒቶም ገሊጾም።

"ምትሕግጋዝ ንቡርን ክቡርን ባህልና'ውን ስለዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ኣብ`ዚ ሓድሽ ዓመት ብፍቕርን ምትሕልላይን ነሓድሕድና ንክበጻጻሕ፡ ቂምን ጽልእን፡ ቅርሕንትን ጸለመን ኣወጊድና ብሓባር ተኸባቢርና ሠናይ ግብሪ ክንዓይይ፡ ንዘይተሠርሐ ክንሠርሕ፡ ንዝተጀመረ ክንፍጽምን ብቕንዕና መንፈስ ክንትንሥእ ይግባእ" ድማ ኢሎም።

ኣብዚ ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ደርቂ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝተረፈ ቦታታት'ውን ዝናብ ደንጒዩ ብምምጽኡ ስግኣት ኰይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

እታ 3.6 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ ዝተገልጸት ሃገር፡ 70% ካብ ህዝባ ብሕርሻ ዝናበር እዩ።