ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ኣርሲ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመንቲ እንታይ ኢሎም?

ብጹእ ኣቡነ ማቲያስ

ምንጪ ስእሊ, EOTC TV

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ መዓዝ" ዝብል ሓዘን ከም ዝፈጠረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ክልተ ወረዳታት ምብራቕ ኣርሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ቤተክርስትያን ከም ዝተቓጸለን ነበርትን ምንጭታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ-ሰብከት እቲ ከባቢ፡ ዝርዝር በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ክዝርግሑ ከለዉ፡ ሰበስልጣን ምምሕዳር እቲ ከባቢ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ይኹን ጉድኣት ዝዀነ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ነዚ ስዒቡ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ኣርሲ ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ቤተክርስቲያንን ዝበጽሐ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ "ልብና ድምዩ" እዩ ኢሎም።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣርሲ [ኦሮምያ]ን ክልል ሶማልን [ጅግጅጋ] ዝዀኑ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኤልሳኤ፡ ኣብ ዘወፅእዎ መግለፂ፡ ኣብ ምብራቕ ኣርሲ ወረዳታት ኣስኮ፣ ሺርካን ሆንቆሎ ዋቤን፡ "13 ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ተቐቲሎም፤ ልዕሊ 280 ኣመንቲ ተመዛቢሎም፡ 101 ዓመት ዝዕድሚኡ ቤተ ክርስቲያን ተቓፂሉ" ክብሉ ሓቢሮም።

በቲ መጥቃዕቲ፡ "ብዙሓት ኣመንቲ ብግፍዒ ተሰዊኦም፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወገናት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም። በዚ ቤተክርስቲያንን ሓዚና እያ፡" ዝበሉ እቶም ፓትሪያርክ፡ "ኣብ ኣርሲ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ግፍዕን ብድዐን ኣብ ልቢ ኩላትና 'ክሳብ መዓዝ?' ዝብል ቁጥዐን ሓዘንን ፈጢሩ'ዩ፡" ኢሎም።

ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣርሲ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰንበት 23 ግንቦት 2018 [ግ] ከምዝጀመረን፡ ኣብ ወረዳ ሰልጣና፡ ፍሉይ ስሙ በቼቶ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ክልተ ሰባት፡ ኣብ ወረዳ ኣሰኮ ድማ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።

ብምኽንያት ስግኣት ድሕነት፡ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ምንጪ ቢቢሲ፡ 101 ዓመታት ዘቝፀረ "ጠለታ ገብርኤል" ቤተክርስትያን ብሓዊ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ካራ ኩፍታና መድሃኔ ኣለም፡ "ዝምታ" ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ "ኣመንቲ ነቲ ጽላት ሒዞም ከምዝሃደሙን ኣባይቶም እውን ከምዝተቓጸሉን" ገሊጹ።

ግዳይ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ነበርቲ፡ ሃይማኖቶም እናተፈለየ፡ "ኣባይቶም ይቃጸል፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን ተዘሚቱ" ክብሉ ገሊጾም።

ካልእ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ሓላፊ'ታ ከባቢ ቤተክርስትያን፡ ዕጡቕ ዝነበረ ሓዉ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ብምግላጽ፡ "ቤተክርስትያን [ጠለታ ገብርኤል] ካብ ሕጊ ታቦት ወፃኢ፡ ምሉእ ብምሉእ ዓንያ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ከምአ'ውን፡ ብ23 ግንቦት 2018 [ግ] ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ውሱን ጉድኣት በፂሑዎ ዝነበረ ቤተክርስትያን ኩፍቴና መድሃኒኣለም፡ ብፅባሒትኡ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓፀላ እቲ ምንጪ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ኣሶኮ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ምንጪ፡ 280 ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኣምሓርኛ፡ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ፡ ሃይሉ ኣዱኛን ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን'ቲ ክልል፡ ኣራርሳ መርዳሳን፡ ብተደጋጋሚ ደዊሉ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ንምርካብ ፈቲኑ ኣይሰመረን።

ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ፡ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን ዞባ ኣርሲ ሶሪ ወጊ፡ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ንዝቐረሉ ሕቶ፡ "ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን፤ ገና ነፃሪ ኢና ዘለና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈፀመሎም ከባብታት ሓደ ዝኾነ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሆንቆሎ ዋቤ፡ ሓሰን መሓመድ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝተቐትለሉን ንብረት ዝዓነወሉን ፍፃመ "ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ኣርሲ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ስድራቤቶም ድማ ሓዘኖም እንትገልፁ

ምንጪ ስእሊ, Mahibere Kidusan

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ኣርሲ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ስድራቤቶም ድማ ሓዘኖም እንትገልፁ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ፡ ናይቲ ምስቲ መጥቃዕቲ ተኣሳሲሩ ስሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ምዃኑ ዝገልፅ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝመደበሩ ጂሬኛ ኣያና፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እንተሰደደ'ኳ፡ ዛጊድ ክሳብ ሕትመት እዚ ፅሑፍ መልሲ ኣይሃበን።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ-ስብከት ምብራቓዊ ኣርሲ፡ ሊቀ ትጉሃን ቀሺ ከፍያለው ሸንቁጤ፡ "ኣብቲ ከባቢ ቁሩብ ዘይምስናይ ኣሎ" ብምባል፡ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ገሊጹ።

ብሶኑይ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ መረፃ ከምዝተኻየደ ብምዝኽኻር፡ ኣብዞም ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ "ሓድሕዳዊ ምቅትታል፡ እቲ መረፃ ንምዝራግ ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያት ከምዘይፍለጥ" ገሊጹ።

እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወሲኹ፡ እቲ መጥቃዕቲ በምንታይ ምኽንያትን ብመን ከምዝተፈጸመን ክዛራብ ከምዘይከኣል ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታን መርማሪ ጉጅለን፡ ብሰሉስ 25 ግንቦት 2018 [ግ] ናብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ከምዝነበሩን፡ እቲ ኩነታት ከምዝተረጋግአን ድማ ወሲኹ ገሊፁ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ብዝምልከት ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይወፅእ ስለዘሎ ክፃረ ሓቲቱ።

ኣብቲ ከባቢ ብ23ን 24ን ግንቦት ተኹሲ ከምዝተኸፍተ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ዝገለጸ ሓላፊ እታ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን "ንእሽቶ ባርዕ" ከምዝተላዕለን፡ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈረ ጉጅለ ነቲ ፍጻመ ክምርምሮ ምዃኑን ገሊጹ።

ንሱ፡ እቲ መርማሪ ጉጅለ ነቲ ፍጻመ ብዝርዝር ንምግላጽ ዘምጽኦ ሓበሬታ ክርኢ ክጽበ ምዃኑ ብምግላጽ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

ሓደ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ብወገኑ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ "ዕጡቓት ሸኔ" ከምዝተፈጸመ፤ ገለ ውልቀሰባት ንነብሶም ንምክልኻል "ብውልቂ ከምዝተዓጥቁ" ገሊፁ።

ንሱ ወሲኹ፡ ገለ ምስቶም ዕጡቓት ክዋግኡ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ እናሃደሙ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን፡ ካብቶም ዝተቐትሉ "ገሊኦም ሬሳታቶም ዛጊድ ኣይተቐብሩን" ክብል እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብጅምላ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝተቐብሩ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ኣብቲ ብ23 ግንቦትን 24 ግንቦትን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፡ ምልሻታት፡ ከምኡ'ውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣስላም ዝዀኑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ጓል 12 ዓመት ጓሎም ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምስ ተቐትለት፡ ካብቲ ከባቢ ናብ ኣዳማ ዝተመዛበለ፡ ሕዚ ድማ ሰለስተ ኣዝማዱ ከምዝተቐትሉዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝገበረ ዝዘከረ እቲ ነባሪ፡ "ኣእዊና ዝሰምዓና ሰብ የለን" ብምባል ፈሪሖም ከምዝነብሩ ገሊጹ።

"ገዛናን ንብረትናን ዓንዩ፣ ጥሪትና ጠፊኡ፣ ባዶ ኢድና ተሪፍና" ይብል እቲ ሰብኣይ።

"ቅድሚ ሕጂ ገዛውቲ ተቓጺሎም'ዮም፣ ዳግማይ ተሃኒጾም'ዮም፣ ኣብቲ ሕዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን መሊሶም ተቓጺሎም።"

እቲ ኣብ ኣዳማ ከም ሓላዊ ጸጥታን ሸቃላይን ኰይኑ ምስ 7 ደቁ ከምዝነብር ዝገልፅ ስብኣይ፡ "ጓል 12 ዓመት ጓልና ምስ ተቐትለት፡ በዓልቲ ቤተይ ሓሚማ ንዓኣ ይንከባኸብ እየ ዘለኹ" ኢሉ።

ኣብ ዞባ ኣርሲ ደድሕሪ እቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ህይወትን ንብረትን መን ከም ዘሎ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ዒላማ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ምዃኖም ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝፈተኑ ነበርቲ ካልኦት እምነታት እውን ከምዝተቐትሉ ይገልፁ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 25 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንታቱ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብልን፡ መንግስቲ መሰል ህይወት ዜጋታት ከኽብር ጸዊዑ።