ፍቕራውን ዘይፍቕራውን ምስዕዓም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስዕዓም ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ዘርእይዎ ባህርያት እዩ።
ሰባት ብኸመይ ምስዕዓም ከምዝጀመሩ ግን ሕጂ'ውን ብዘገርም መልክዑ ምስጢራዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብዛዕባ ምስዕዓም ክንዛረብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከንፈር ምስ ከንፈር ዝግበር ርክብ ማለትና እዩ።
ደቂ ሰባት ግን ስለምንታይ እዮም ዝሰዓዓሙ?
ብመንጽር ታሪኽ፡ ምስዕዓም ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተፈላለየ ትርጕም ዝሓዘ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ዝተመዝገበ ምስዕዓም፡ ኣብ 2500 ቅ.ል.ክ. ኣብ ዝተጸሓፉ ጥንታውያን ጽሑፋት መሶጶጣምያ ይርከብ።
ጥንታውያን ሮማውያን ድማ ሰለስተ ፍሉያት ዓይነት ስዕመት ነይርዎም።
እዚኦም ኦስኩሉም ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ምዕጕርቲ ዝግበር ማሕበራዊ ምስዕዓም፣ ባሲየም ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ወይ ስድራቤት ኣብ ከንፈር ዝፍጸም ዘይጾታዊ ምስዕዓም፣ ከምኡ'ውን ሳቭየም ዝብልዎ ኣብ መንጎ ፍቝራት ዝግበር ውዕዉዕ ምስዕዓም እዮም።
ምስዕዓም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብ ፍቕራዊ ምልክት ንላዕሊ ምዃኑ ንጹር እዩ።
ምስዕዓም ኣብ መንጎ ብዙሓት ተፈታዊ እኳ እንተዀነ፡ ብፍጹም ኣድማሳዊ ግን ኣይኰነን።
ኣብ 2015 ኣብ ኣመሪካን ኣንትሮፖሎጂስት ዝተሓትመ ኣብ 168 ባህልታት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 46 ሚእታዊት ጥራይ ፍቕራዊ ምስዕዓም ከንፈር ከምዝፍጽሙ ኣረጋጊጹ።
ኣብቶም ዘይሰዓዓሙ ኣባላት ዘለዎም ባህልታት፡ ቅርበት ብዝተፈላለየ መንገዲ'ዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጥቓ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ኣብ ዝርከባ ደሴታት ትሮብሪያንድ፡ መጻምድቲ ነንሕድሕዶም ብቅርኒብ ዓይኖም ይተናኸፉ።
ብቻርለስ ዳርዊን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ከምዝሰነዶ፡ ኣብ ዓሌት ማላይ፡ ሰባት ኣፍንጫኦም ብምትንኻፍ ነንሕድሕዶም ጨናኦም የሽትቱ። እዚ ድማ ጨና ኣብ ቅርበት ደቂ ሰባት ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ዘመልክት እዩ።
ኣብ መንጎ ህዝቢ ታይላንድ፡ ኣብ ምዕጕርቲ ብምስዓም ሰላምታ ምሃብ ኣይፍቀድን። የግዳስ፡ እቲ ልሙድ ኣገባብ፡ ክሳድ ድንን ምባል እዩ።
ደቀባት ኒውዚላንድ ዝኾኑ ማኦሪ፡ ኣፍንጫኦምን ግንባሮምን ብምጽቃጥ ሰላምታ ይለዋወጡ።
ኣብ እንስሳት እውን ምስዕዓም ኣሎ፤ ምኵሻም መብዛሕትኡ ግዜ መወዳእታኡ ብኣፍ ዝፍጸም ርክብ እዩ።
ስነህይወት፡ ሰባት ስለምንታይ ከምዝሰዓዓሙ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል'ዶ?
ምስዕዓም፡ እቲ ኣብ ምትእምማንን ምትእስሳርን ኣበርክቶ ዝገብር ኦክሲቶሲን ዝተበሃለ ሆርሞን ንኽፍኖ ስለ ዝድርኽ፡ ስነ ህይወታዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ክሕግዝ ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኦክሲቶሲን ጸቕጢ ንምንካይ ይሕግዝ፣ ናይ ምቅርራብ ስምዒት ክብርኽ ይገብር። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ፍቕራዊ መጻምድቲ ዘሎ ርክብ ንኽድልድል ኣበርክቶ ይህብ። ስለዚ ኣብ ከንፈርና እንሰዓዓመሉ ምኽንያት ምናልባት ጽቡቕ ስለ ዝስምዓና ክኸውን ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልሰ-ሓሳባት ስነ ፍልቀት ከም ዝሕብርዎ፡ ሱር ከንፈር ንኸንፈር ምስዕዓም ከም ምጥባው ኣብ ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ባህርያት ኣደታት እዩ ዝነቅል።
ብስነ-ህይወት ዕሸላት ምስ ከንፈር ዝገብርዎ ርክብ፡ ምስ ምቾትን ድሕነትን እዮም ዘዛምድዎ።
እዚ ድማ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ድማ ምስ ክንክንን ስምዒታዊ ምትእስሳርን ተተሓሒዙ ከም ሰፊሕ ማሕበራዊ ባህሪ ማዕቢሉ ክኸውን ይኽእል።
ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ኣደታትን ዕሸላትን ከንፈር ንኸንፈር ዝፍጸሙ ባህርያት ዘተኰሩ ክልሰ-ሓሳባት፡ ስለምንታይ ብፍቕራዊ መገዲ ከንፈር ንኸንፈር ከም እንሰዓዓም ምሉእ ብምሉእ ክገልጽዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክ ብፍልቀታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ዶክተር ኣድሪያኖ ላሜራ ዝቐረበ ክልሰ-ሓሳብ ግን፡ ምስዕዓም ካብ ናይ ጽባቐ ባህርያት ዝመጸ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
ምስዓዓም ብባህርያት ጥንታውያን ኣቦታትና ዝተቐረጸ ክኸውን ዝኽእል ዝተሓላለኸ ባህሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብውዕዉዕ ምስዕዓም ይዅን ቅርኒብ ዓይኒ ብምትንካፍ ምስ ካልእ ሰብ ዘለና ቅርበት ምርኣይ፡ ዓሚቝ ሰብኣዊ ድሌት ዘማልእ ይመስል።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



