ወይዘሪት ዓለም 2026፡ ስኒት ኣብተን ሽዱሽተ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘሕብን ታሪኽ ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Miss World
ንኤርትራ ወኪላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ወይዘሪት ዓለም (Miss World) ኣብ ከተማ ንሃ ትራንግ፡ ቬትናም ዝተሳተፈት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፤ ኣብቲ ብ5 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ምስተን ቀዳሞት 6 ብሉጻት ተወዳደርቲ ተረቚሓ፡ ብሚልዮናት ብዝቝጸር ህዝባዊ ደገፍን ብምርጫ ህዝቢን ተሸሊማ ንሃገራ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር፡ ስኒት ምስ ተወዳደርቲ ማሌዥያ፡ ቬትናም፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፡ ስጳኛን ደቡብ ኣፍሪቃን ብምዃን እያ ኣብ መድረኽ ቀሪባ።
ኣብቲ ንተወዳደርቲ ዝቐረበ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ፡ "ንወለዶኺ ዘጋጥሞ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ እንታይ እዩ?" ተባሂላ ምስተሓተት፤ እዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት (social media) ኣዝዩ ከም ዝተጸምደ፡ እዚ ድማ ካብቲ ናይ ሓቂ ስምዒትን ሰብኣዊ ርክባትን ከም ዘርሓቆ ገሊጻ። እቲ መድረኽ ንምክብባርን ንምምዕባልን ኣብ ክንዲ ዝውዕል፡ ንኣሉታዊ ጽልዋታት ይቃላዕ ከም ዘሎ ድማ ኣስሚራትሉ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኢላ ዝጠቐሰቶ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ ሰባት ዘለዎም ፍሉይ ክእለት፡ ዕድል ወይ ድምጺ፡ ንረብሓ እቶም ባዕሎም ክጣበቑ ዘይክእሉ ሰባት ንምውዓል ዘርእይዎ ድኽመት ምዃኑ ኣመልኪታ።
"ብዙሓት ዕድላት ኣሎና፡ ግን እዚ ዕድላት እዚ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ወይ ባዕሎም ክጣበቑ ዘይክእሉ ሰባት ንምሕጋዝ ኣይንነጥፈሉን ኢና" ክትብል ነቲ ሕቶ ብብስለት ከም ዝመለሰቶ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
ነቲ ዝተዋህባ ድምጺ ድማ፡ "እቶም ድምጽታት ቍጽሪ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ንሓንቲ ዳውን ሲንድሮም ዘለዋ ሓፍታ እትኣሊ ሰብ ዝተላእኩ ናይ ፍቕሪ ደብዳበታት እዮም" ብምባል፤ እቲ ዝተጐናጸፈቶ ሽልማት ምርጫ ህዝቢ (People's Choice Award) ናይ ኵሎም ደገፍታ ዓወት ምዃኑ ገሊጻ።
ስኒት ኣብቲ ውድድር ካብ ፈለማ ኣትሒዛ እያ ዓወታታ ከተመዝግብ ጀሚራ። ኣብ ፈለማ ዙር ምርጫ ህዝቢ፡ ካብ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ብዝለዓለ ድምጺ ቀዳመይቲ ብምዃን ናብ ብሉጻት 40 ሓሊፋ። ድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ዓለምለኻዊ ምርጫ ድማ፡ ብልዕሊ 13.9 ሚልዮን ድምጺ ህዝቢ ተደጊፋ ናይ 'People's Choice' ተዓዋቲት ብምዃን፡ ምስተን ሽዱሽተ ብሉጻት ተረቚሓ ብቐጥታ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዙር ሓሊፋ።
ትምህርታዊ ድሕረ-ባይታን ሞያዊ ብቕዓትን

ምንጪ ስእሊ, Miss World
ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን (Scuola Italiana) ተኸታቲላ። ብ2019 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ኣተወት፡ ክሳብ 2021 ኣብ 'Northern Virginia Community College' ብዓውዲ ባዮሎጂ (Biology) ኣሶሰይት ዲግሪ (Associate degree) ረኺባ።
ትምህርታ ብምቕጻል ድማ፡ ካብ 'George Mason University' ብዓውዲ ኒውሮሳይንስ (Neuroscience) ብ2023 ተወሳኺ ዲግሪ (Bachelor's degree) ዓቲራ። ትምህርታዊ ተገዳስነታ ምስ ትምህርቲ፡ ዕብየት ሓንጎልን ስንኩላን ህጻናትን ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ከላ እውን ምስ ስነ-ልቦናዊ ምርመራ ኣእምሮን (neuropsychological testing) ምስ ናይ ህጻናት ዕብየትን ኣብ ዝተተሓሓዙ ስራሓት ትሳተፍ ነይራ።
ወግዓዊ ፕሮፋይል 'ወይዘሪት ዓለም' ንስኒት ከም መምህር ሞንቴሶሪ (Montessori educator)፡ ኣማኻሪት ወለዲ፡ ፈጣሪት ትምህርታዊ ናውቲን ኣመሓዳሪት ዘይመንግስታዊ ትካላትን እዩ ዝገልጻ።
ስኒት ከም ተጣባቒት ሓቛፊ ትምህርቲ
ስኒት ነቲ ውድድር ከም መድረኽ ጽባቐ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንማሕበራዊ ለውጢ እያ ተጠቒማትሉ። ምንኣስ ሓፍታ ስንክልና አእምሮ (Down syndrome) ስለዘለዋ፡ እዚ ውልቃዊ ተመክሮ ንስኒት ኣብ ዓውዲ መሰላት ስንኩላንን ሓቛፊ ትምህርትን ንክትነጥፍ ከም ዝደረኻ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ትሕብር።
ንሳ 'Designing for Diversity' ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ብምምስራት፡ ዝተፈላለየ ትምህርታዊ ድሌት ዘለዎም ቈልዑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓባር ክመሃሩን ስድራቤታት ድማ ኣድላዪ ደገፍ ክረኽቡን ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ውድድር ወይዘሪት ዓለም ዘቕረበቶ 'Beauty With a Purpose' ፕሮጀክት እውን ኣብዚ ዕላማ ዘተኰረ እዩ።
ዓለምለኻዊ ሸፈነ

ምንጪ ስእሊ, Miss World
ተሳትፎ ስኒት ብዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ማዕከናት ዜና፡ ከም በዓል PEP.ph፡ CONAN Daily፡ Mesob Journalን Asmara Postን ሰፊሕ ሸፈነ ረኺቡ ኣሎ። መብዛሕትኦም ማዕከናት ዜና፡ ነቲ ስኒት ዘመዝገበቶ ታሪኻዊ ድምጺ ህዝቢን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር ዘርኣየቶ ናይ ዘተ ብቕዓትን ብምጥቃስ፡ "ኤርትራ ኣብ ፈላሚ ተሳትፎኣ ዓቢ ስም ኣመዝጊባ" ክብሉ ገሊጾምዎ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ውድድር፡ ተወዳዳሪት ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ጆሄሪ ሞላ ዶሚንገዝ ወይዘሪት ዓለም 2026 ኰይና ዘውዲ ክትደፍእ እንከላ፡ ተወዳደርቲ ስጳኛን ማሌዥያን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።
ስኒት ሃብተኣብ ዘውዲ እኳ እንተዘይደፍአት፡ ብዓወት ምርጫ ህዝቢ ናብ መወዳእታ ሽዱሽተ ብምሕላፋ፡ ንኤርትራውያን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዓቢ ናይ ተስፋን ሓበንን ምልክት ከም ዝዀነት ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


