መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ 20,000 በረራታት ክስርሕዝ'ዩ
ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሓደ ካብ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ኣውሮጳ ዝኾነ ሉፍታንዛ፡ እቲ ስጉምቲ 40,000 ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ክዕቅብ ከምዘኽእሎ ሓቢሩ።
ኲናት እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ካብ ዝውላዕ ንድሓር ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ (ጀት ፍዩል) ብዕጽፊ ወሲኹ'ሎ።
ሃገራት ወሽመጥ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ዓይነት ነዳዲ ምዃነን ይፍለጥ።
ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ነዳዲ ነፈርቲ ካብ ሰሙናት ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዚ ኣብ ክረምቲ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ምስራዝ በረራታት ሉፍታንዛ ንዋጋ ትኬታት ዝያዳ ከንህሮ ከምዝኽእል ይግመት። ክረምቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዕጸውሉ ናይ መገሻ ወቕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።