እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኢራን ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ክትኣምን 'ፈሪሓ'ያ ክብል ከሎ፡ ቴህራን ነጺጋቶ
ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ምስ ኣመሪካ ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ንምእማን "ፈሪሖም" ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን "ንሕጂ ክትዘራረብ ሓሳብ ከም ዘይብላን" እታ ሃገር ንነብሳ "ክትከላኸል" ምዃናን ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ኢራን ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ከም ጸብጻብ ናብ መንግስቲ ዝውግን ማዕከን ዜና ታስኒም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዖማን እዩ ተኻይዱ።
- ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ ክፍጸም ከም ዝተቓረበ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሎሚ ግን፡ ነቲ ሓይለ-ቓል ኣዘራርባኡ ብምቕጻል፡ ንመደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ኢራን ዳግማይ "ከም ዘፍርሶም" ኣፈራሪሑ ኣሎ።
- ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለት መርከብ ብምቍጽጻራ ኢራን ግቡእ ምላሽ ክትህብ ምዃና ኣጠንቂቝ።
- ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬነት ሮዝ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገብሮ ዘሎ ምፍርራሕ ምስ ገበን ኲናት ዝቝጸር ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።